ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ መራሒ ቻይና ስልጣን ተረኪቦም


Xi Jinping
Xi Jinping
መራሒ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ዢ ዪንፒንግ፣ሎሚ ሓሙስ ፕረዚደንት ሃገር ተባሂሎም።ሙሉእ ስልጣን ናይ‘ታ ሃገር ተቀቢሎም።

ሚስተር ዢ፣ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ህዝባዊ ኮንግረስ መራሒ ንክኾኑ ብድምፂ ከምዝተመርፁ ዝዝከር‘ዩ።ኣብ‘ቲ ኣኼባ 2,952 ድጋፍ፣ሓደ ተቃውሞ ከምዝረኸቡ‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።ንሶም ዝሓለፈ ሕዳር ዋና ፀሓፊ‘ቲ ፓርቲን ኣዛዚ ሰራዊትን ኮይኖም ከምዝተመርፁ ይፍለጥ።

59 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕረዚደንት ቻይና ዝነበሩ ሁ ጅንታው፣ብመሰረት‘ቲ በቢ ዓዓሰርተ ዓመት ዝፍፀም ምርኽኻብ ስልጣን ካብ ሓላፍነት ወሪዶም‘ለው።

ማእከላይ መርገፂ ኣለዎም ዝባሃሉ ሊ ያንቹ ምክትል ፕረዚደንት፣ሊ ኪያንግ ድማ ቀ/ሚ ክኾኑ’ዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
XS
SM
MD
LG