ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ዓማፂ ሊብያ ኣብ ቻይና ዑደት ይፍፅሙ ኣለው


ቤጂንግ ኣብ ሊብያ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ኣለዋ

ላዕለዋይ መራሒ ዓማፂ ሊብያ ማሕሙድ ጂብሪል ምስ መራሕቲ ቻይና ንምዝርራብ ኣብ ቻይና ምብፃሕ ይፍፅሙ ኣለው።ቤጂንግ ምስታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሰሜናዊት ኣፍሪካዊት ሃገር ቁጠባዊ ምትእስሳር ኣለዋ።ስለዝኾነ ድማ እቲ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ግጭት ንምፍታሕ ፃዕራ ተሐይል ኣላ።

ኣቦ መንበር ሃገራዊ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ሊብያ ማሕሙድ ጂብሪል እቲ ግጭት ንኸብቅዕ ድልየት ምስ ዘለዎም መራሕቲ ቻይና ንምዝርራብ ናይ ክልተ ማዕልታት ዑደት ንምፍፃም ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣብ በጂንግ በፂሖም ኣለው።

ቤጂንግ ኣዐሪያ እትደልዮን ቁጠባዊ ገስጋስ ቻይና ከምዘለዎ ንክቕፅል ዝጠቕማን ነዳዲ ሓዊሱ ኣብ ሊብያ ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ኣለዋ።

ጂብሪል ምስ ምንስቴር ወፃኢ ቻይና ያንግ ጄይቺ ክራኸቡ ትፅቢት ኣሎ።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ሆንግ ለይ ሎማዕንቲ ሰሉስ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ቻይና ነቲ ሃገራ ቤት ምኽሪ ከም ሓደ ጠቓሚ ናይ ሊብያ ናይ ውሽጢ ሃገር ፖለቲካዊ ሓይሊ ትሪኦ ይብሉ።

ሆንግ ብምቕፃል ቻይና ምስ ኩሎም ወገናት ርክባታ ንምቕፃልን ንናይ ሊብያ ቅልውላው ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከበሉን ከም እትደሊ ይገልፁ።

ቻይና ኣብ ሊብያ ዝተፈጠረ ቅልውላው ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ክተካይድ ፀኒሓ እያ።ዛጊድ እውን ምስቲ ቤት ምኽሪ ክልተ ግዜ ተራኺባ’ላ።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ምንስቴር ወፃኢ ሊብያ ኣል-ኦበይዲ እቲ ቅልውላው ዝፍተሐሉ መንገዲ ንምእላሽ ኣብ በጂንግ ናይ ሰለስተ ማዕልታት ምብፃሕ ፈፂሞም ነይሮም።

ቻይና ቅድሚ ኩሉ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ክፍፀም ትደሊ።

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣንፃር መራሒ ሊብያ ሞኣመር ጋዳፊ ዓለም ለኻዊ ወታደራዊ ስጉምቲ ንኽውሰድ ድምፂ ኣብዘሃበሉ እዋን ቻይና ድምፂ ኣይሃበትን።ንደብዳብ ነፈርቲ ኔቶ እውን ክትነቅፍ ፀኒሓ እያ።

XS
SM
MD
LG