ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

38 ነፈርቲ ኲናት ቻይና ኣብ ዙርያ ታይዋን ምብራረን ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

38 ነፈርቲ ውግእን ሓንቲ TB-001 ዝዓይነታ ሰብ ኣልቦ(ድሮን) ነፋሪት ቻይና ሎሚ ዓርቢ ንታይዋን ከም ዝኾለላኣ ሚንስትሪ ምክልኻል’ታ ደሴት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለፂ’ቲ ሚንስትሪ 19 ካብተን ነፈርቲ ኣብቲ ነታ ደሴት ካብ ቻይና ዝፈልያ ማእኸላይ መስመር ከምዠንበየኣ ይሕብር ።

TB-001 ሓንቲ ካብተን ናይ ቻይና ዝዓበያ ድሮናት’ያ። እዚ ምርኢት ንነፈርቲ ቻይና ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ከምዝቁፀር ተገሊፁ’ሎ።

እዚ ምርኢት ነፈርቲ ቻይና ሓደ ካብቲ ንታይዋን ተፈራርሃሉ ዘላ መንገዲ ተገይሩ ዝረኣ'ዩ።

ቻይና ካልእ ዝዓበየ ምርኢት ነፈርቲ ዝገበረት ኣብዚ ወርሒ ሚያዝያ ፕረዚደንት ታይዋን ታሲ ሊንግ ወንስ ምስ ወሃቢ ቃል ባይቶ ኣመሪካ ከቨን መካርቲ ኣብ ካሊፎርንያ ድሕሪ ምርኻቦም’ዩ።

ቻይና ንዝኾነ ኣብ መንጎ ታይዋንን ሰበ-ስልጣን ሃገራትንን ዝግበር ርክብ ትቃወሞ’ያ።

ታይዋንን ቻይናን ዝተፈላለያ ምስ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ኣብ 1949 ምስ ኣብቅዐ’ዩ።

XS
SM
MD
LG