ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና: ንፈለማ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ሞት ከይመዘገበት ውዒላ


ሰበስልጣን ጥዕና ቻይና ካብ ጥሪ ጀሚሩ በብመዓልቲ ይስማዕ ዝነበረ ሞት ዜና ኮሮናቫይረስ ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ስዓታት ሓዱሽ ሞት ከምዘይተመዝገበ ኣፍሊጦም

ሃገራዊ ኮሚሽን ጥዕና ቻይና ሎሚ​ ሰሉስ ከምዝገለፆ ሎሚ 32 ሓደሽቲ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት​ ምምዝጋቡ ብምግላፅ ኩሎም ከአ​ ካብ ወፃኢ ሃገር ዝተመለሱ እዮም ኢሉ

እቲ ምንካይ ቁፅሪ ዝለክፉን ዝሞቱን ዝስማዕ ዘሎ ሰበስልጣን ክፍለ ግዝኣት ሁበይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እቲ ቫይረስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝተኸሰተላ ከተማ ዉሃን ዝተነብረ ናይ ኣስገዳድ ውሸባ ንምፍኳስ​ ኣብ ዝዳልውሉ እዋን እዩ

ቻይና ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ብድምር ልዕሊ 80,000 ሰባት ዝሞቱ ድማ 3,331 መዝጊባ እያ።እቲ ቫይረስ ዘለዎም ናይ ምሕማም ምልክት ዘየርኣዩ ግን ከአ​ ናብ ካልኦት ሰባት ከሕልፉ ዝኽእሉ 1,033 ሰባት ኣብዚ ስዓት ተፈልዮም ከምዝርከቡ ኮሚሽን ጥዕና ቻይና​ ወሲኹ ​ ሓቢሩ ኣሎ

XS
SM
MD
LG