ዋሽንግተን —
ብርቱዕ ዝናብን ንዕኡ ስዒቡ ዝወረደ ምህማም መሬትን ኣብ ቻይና ብውሑዱ 47 ሰባት ምቕታሉ ንመንግስታዊ ቴለቪዥን እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ፒንጉያን ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ዝሃረመ ሓያል ዝናብ ክሳብ 199 ሚ.ሊትር ዝበጽሕ’ዩ ነይሩ። ብተመሳሳሊ እቲ ሓያል ዝናብ 357 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ ምፍራሱ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ ነዊሕ ጽርግያ ተዘርጊሖም ዝነበሩ ሓያሎ ድልድላት’ውን በቲ ዝናብ ዓንዮም’ዮም።
ኣብ ካልኦት ወረዳታት'ታ ሃገር'ውን እቲ ዝናብ ካብ ሰንበት ኣትሒዙ’ዩ ክወቅዕ ቀንዩ።
በቲ ሓደጋ ዝናብ ናይ 502 ሚልዮን ዩዋን ወይ ድማ 146 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ሓደጋ ምዋራዱ ሰብ-መዚ መንግስቲ ይሕብሩ። ካልኦት ከባቢታትን ከተማታትን ቻይና’ውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ዝናብ ክወርደን ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ እታ ሃገር መጠንቀቕታ ልኢኹ ኣሎ።
ቅጥዒ