ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ አክስፖ ሻንጋይ 2010 ሰለስተ ሽልማት ረኺባ


 Eritrean Pavilion in International Expo Shanghai 2010
Eritrean Pavilion in International Expo Shanghai 2010

ፓቪሎን ኤርትራ ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝተኸታተሎ ተገሊጹ

43 ሃገራት ካብ ዝሓቖፈ ፓቪልዮን ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ካብ መንጎ ቀዳሞት 5ተ ሓንቲ ብምዃን ተሸሊማ`ላ

ካብ ግንቦት ሓደ ጀሚሩ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ አክስፖ ሻንጋይ ዝሓለፈ ወርሒ መወዳእታ ተዛዚሙ`ሎ። ኤርትራ ንባህልን መነባብሮ ህዝባን፡ ምዕቃብ ኸባቢ፡ ምህዞን ሰንዓን መንእሰያት ዝምልከት ልዕሊ 80 ፖስተራት ከምዝቐረበ ተፈሊጡ`ሎ። ብዘይካ `ዚ ምስ`ቲ ቴማ ‘Better City Better Life` ዝኸይድ መጎጎ `ኣድሓነትን` ካልእ ንምዕቃብ ኸባብን ዝምልከት ከምኡ`ውን ንታሪኽ ኤርትራ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ቀሪቡ` ኔሩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዓመት ዝጸንሐ ባህላዊ ቅርሲ`ውን ከምዝቐረበ ምኽትል ኮምሺነር ጀነራል`ቲ ፓቪሊዮን ዓብዱራሕማን ኢብራሂም ኸምኡ`ውን ዲዛይነር ኤድዋርድ ኣርኣያ ኣብሪሆም። ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቻይና ጸጋይ ተስፋጽዮን`ውን ዝሓወሰ መደብ ቂሐ-ጽልመ ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG