መራሕቲ ቻይናን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ንግዲን ካልኦት ዞባውያን ፖለቲካውያን ምዕባለታትን ኣብ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ሰፋሕቲ ዝርርባት የካይዱ ምህላዎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣፍሊጡ።
ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓላፊት እቲ ኮሚሽን ኡርሱላ ቫን ደርሊን ከምኡ’ውን ሓላፊ ቤት ምኽሪ እቲ ሕብረት ዝዀነ ቻርለስ ሚቸለን ናብ ቻይና ተጓዒዞም ሎሚ ሓሙስ 7 ታሕሳስ 2023 ምስ ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ቻይና ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ኣሎ ዝበሉዎ ንግዳዊ ዘይምዕሩይነት ከተመሓይሽ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።
ካብን ናብን ቻይናን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ፡ ቻይና ብልዕሊ 200 ቢልዮን ዶላር ናይ ሰደድ ብልጫ ኣለዋ።
ቻይና ብወገና እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ቻይና ዝግበሮ ማዕቀብ ዘይሕጉስቲ ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።
ኣብ ወራር ዩክሬን ዘይሻራዊ መርገጺ ዝወሰደት ቻይና፡ ንኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቘጢዓ’ያ። መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሕጂ’ውን፡ ቻይና ምስ ሩስያ ብዘለዋ ዝምድና፡ ነቲ ኲናት ምዕራፍ ዘለዋ ጽልዋ ከተሐይል ጸዊዖም ኣለዉ።
ወግዓዊ ቴለቪዥን ቻይና ዝዀነ ሲሲቲቪ፡ ፕረዚደንት ሺ ሃገሩን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ሕድገታትን ምጽውዋርን ክህሉ ከም ዝጸውዐ ሓቢራ። ብዛዕባ ወራር ዩክሬን ኮነ ቓዛ ግን እታ መደበር ቴለቪዥን ከም ዘየልዓለት ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ቅጥዒ