ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ቻይና ምስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም


ቻይና፣ ሎሚ ሰሉስ 17 ጥቅምቲ 2023 ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ጽምዶ ኣሓይላቶ'ላ። ብመሰረት’ዚ፣ ነዊሕ ንዝቀጸለ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ምዕሟቑንነቲ ዋሽንግተን ጀሚራቶ ዘሎ ንሕንሕ ብምድፋእ ምስ’ቲ ስትራተጂካዊ ዞባ ኣፍሪቃ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ኣብ ምስፋሕ ከምዘላን ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዢ ጂፒንግ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቤይጂንግ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፣ ሓባራዊ ሰነድ ስምምዕነት ፈሪሞም ኣለው። እቲ ሰነድ ስምምዕነት፣ ሙሉእ ስትራተጂካዊ ጽምዶ ንክህሉ ዝጽውዕ ከምዝኾነ ዥንዋ ጠቂሱ።

ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዓብዪ ወፍሪ ዘለዋ ኮይና ንዓመታት ብቢልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ኣብ ህንጸት ትሕተ ቅርጺ በጃት ምምዳባ ዝዝከር እዩ።

ንኢትዮጵያ ዘለዋ ድጋፍ ንምግላጽ፣ ነቲ ካብ ዝሓለፉ ኣስታት 23 ዓመታት ጀሚራ ኢትዮጵያ ካብ ቻይና ዝተለቀሐቶ 13.7 ቢልዮን ዶላር ንዘይተነጸረን መጠን ሰሪዛትላ ኣላ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ትኽተሎ ዘላ ኣገባብ ልቃሕ መዝማዚን ኣብ መጻወድያ ልቃሕ ዝቅርቅርን ክትብል ትኹንኖ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሰንኪ’ቲ ንክልተ ዓመታት ዝዘለቀ ኲናት፣ ንኢትዮጵያ ብገበን ኲናት ከምዝኸሰሳ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ጸለመ እዩ ኢሉ ከምዝነጸጎ’ውን ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG