ቻይና ብጠንቂ ምውሳኽ መልከፍቲ ኮቪድ ኣብ ቤጂንግ ንዝካየድ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ትኬት ንምሻጥ ሒዛቶ ዝነበረት ትልሚ ሰሪዛቶ።ኣብታ ሃገር በዝሒ በቲ ቫትረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ መጋቢት 2020 ኣ\ፈ በፂሑ ናብ ዝነበረ ብርኪ ደይቡ ኣሎ።
ኣብቶም ውድድራት ዓለምለኸ ተመልከቲ ኣይህልዎን ክብሉ ኣሰናዳእቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊፆም እዮም። ናይዚ ምኽኒያት ናይ ቻይና ንሰሙናት ዝፀንሕ መዐቀኒታት ውሸባ እዩ።ንናይ ውሽጢ ሃገር ተዓዘብቲ ከምዝፍቀድ ግን ቃል ኣትዮም ነይሮም።
ኣጋ ምኽፋት ዊንተር ኦሎምፒክ 223 ሓዱሽ መልከፍቲ ብምርካቡ እዚ ትልሚ ትማሊ ሶኑይ ተሰሪዙ ኣሎ።
‘’ጥዕናን ድሕነትን ኣብ ኦሎምፒክ ዝሳተፉን ተመልከትን ንምሕላው ትኬት ንህዝቢ ንምሻጥ ኣቐዲሙ ተታሒዙ ዝነበረ መደብ ዳግመ ምትዕርራይ ብምግባር ነቲ ውድድራት ዝዕዘቡ ብዝተወደበ ኣገባብ ክኸውን ተወሲኑ ኣሎ’’ኢሉ ኣዋሃዲ ኮሚቴ ቤጂንግ ኦሎምፒክ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ።
እቶም ተመልከቲ ከመይ ከምዝምረፁን ቅድምን ድሕርን እቶም ውድድራት ውሸባ ክህሊ እንተኾይኑን ንፁር ኣይኮነን።ኣብ መወዳእታ 2019 ኣ\ፈ እቲ ቫይረስ ንፈላማ ዝተኸሰተላ ቻይና ዝተረፈ ዓለም ዳግም እናኸፈተ ከሎ እውን ዜሮ መልከፍቲ ኮቪድ ብዝብል ጥቡቕ ፖሊስ ኣብ ምፍፃም ትርከብ።
ኣትሌታትን ሰበስልጣንን እቲ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ዋና ከተማ ምእታው ጀሚሮም።ምስቲ ህዝቢ ከይራኸቡ ብጥብቂ ቁፅፅር ናብ ዝገበረሉ ቦታ እዮም ዝኣትው ዘለው።
እቲ ኣዚዩ ተመሓላላፊ ጭጋረት ኦሚክሮን ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤጂንግ ድሕሪ ምርካቡ ሰበስልጣን ኣብ ልዕሊ ናብ ቻይና ዝኣትው ሰባት ጥቡቕ ሕግታት ኣብ ግብሪ የውዕሉ ኣለው።
ሰባት ናብ ቤጂንግ ቅድሚ ምእታዎምን ድሕሪ ምእታዎምን ካብ መልከፍቲ ነፃ ምዃኖም መረጋገፂ ከቕርቡ ኣለዎም። ነበርቲ ድማ ኣብ ቅድሚት ንዝኽበር ብዓል ሓዱሽ ዓመት Lunar New Yearካብታ ከተማ ከይወፁ መተሓሳሰቢ ተዋሂቡዎም ኣሎ።
በፃሕቲ ዝሪኡዎም ገለ ናይ ቱሪስ መስሕባት ድማ ተዓፂዮም ኣለው።ነበርቲ ካብ ወፃኢ ሃገር ዝኣትው ኣቑሑት ከይዕድጉ ሓንቲ ላዕለወይቲ ብዓልስልጣን ጥዕና ኣተሓሳሲባ ኣላ።ዋላ እውን ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ደብዳበ ንምኽፋት መሽፈኒ ኣፍን ኣፍንጫ \ማስክ\ ከምኡ እውን ዳግም ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል ጓንቲ ምጥቃም ከምዘድሊ ገሊፃ ኣላ እዛ ብዓልቲ ስልጣን።
ናይ ኣሜሪካ ማእኸላት ምቁፅፃርን ምክልኻን ሕማም ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ሰባት ብኮቪድ ካብ ዝተበከለ ነገራት ኣቢሎም ክልከፉኳ እንተኾኑ ሓደግኡ ግን ዝተሓተ እዩ ይብል።ኣብ ክፉት ቦታ ዝተገደፈ ዝኾነ ይኹን ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ማዕልታት ብ99 ምኢታዊ ይንኪ።