ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና ናይ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከራ ብወግዒ መሪቓ ከፊታቶ


ፋይል
ፋይል

ቻይና ኣብ ጅቡቲ ዝመሰረተቶ ናይ ፈለማ ወተሃደራዊ መዓስከራ ሎሚ ሰሉስ ባሕቲ ነሓሰ ብወግዒ መሪቓ ከፊታቶ።

እቲ ሎሚ ዝተመረቐ ወተሃደራዊ መዓስከር ዕጥቅን ስንቅን መከፋፈሊ ተባሂሉ ዝተገልጸ ክኸውን እንከሎ ፡ ቻይና ካብ ሃገራ ወጻኢ ትምስርቶ ዘላ ናይ ፈለማ ወተሃደራዊ መዓስከር እዩ።

ቻይና ናይ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከራ ብወግዒ መሪቓ ከፊታቶ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:46 0:00

ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣስታት 300 ዕዱማት ነቲ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዝተሳተፍዎ ክኾኑ ከለው: ወተሃደራዊ ተወከልቲ ቻይናን ጅቡቲን ከምኡ'ውን ኣባላት መበል 26 ክፍለ ሰራዊት ቻይና ተረኺቦም ነይሮም።

መንግስታዊ መደበር ቴለቪዥን ቻይና ነቲ ስነስርዓት ብቐጥታ ከምዘመሓላለፈቶውን ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ይኹንምበር እቲ ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ስነ-ስርዓት ብልክዕ ካበየናይ ቦታ ጅቡቲ ይፍኖ ምንባሩ ኣይተገልጸን።

ዝሓለፈ ወርሒ ዕጥቅን ስንቅን ከምኡውን ኣባላት ሰራዊት ዝጸዓና ወተሃደራዊ መራኽብ ቻይና ናብ ጅቡቲ ምምርሐን ይዝከር።

ቻይና ኣድላይነት ናይቲ ኣብ ጅቡቲ ዝመሰረተቶ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ሓገዝ ምዕቃብ ሰላም: ኲናት ኣንጻር ቅርሰናን ማለት ክትራን ባሕሪን ካልእ ተልእኾን ዝዓለመ ምዃኑ’ያ ትገልጽ።

ይኹንምበር: ምስ ኣሜሪካ ተቐናቒና ትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ እዩ ክብሉ ዝገልጹ ወገናት'ውን አለው።

Recommended

XS
SM
MD
LG