ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና፡ ናይ አሜሪካ ናይ ውግእ መርከብ ናብ ግዝአተይ ተጸጊዓ ብምባል ትከስስ


ናይ ኣሜሪካ ናይ ውግእ መርከብ ናብቲ ብቻይና ዝተሓዘ ኣርተፊሻል ደሴት ብምጽግዓ ቻይና ናብ ዩናይትድ ስቴትስ ተቓውሞ ኣቕሪባ። ታይዋን፣ቬትናምን ፊሊፕንስ እውን ነቲ ከባቢ ይግብኣኒ ይብልኦ።

እታ USS Lassen እትበሃል መርከብ ናብቲ ኣርቴፊሻል ደሴት ብ20 ኪሎ ሜትር ምጽግዓ ንናይ ቻይና ልኡላውነት ሓደጋ እዩ ኢሉ’ሎ ሚኒስትር ወጻኢ ቻይና።

ክሩዝ ሚሳይል ዝዓጠቐት እዛ ናይ ኣሜርካ መርከብ ሎማመዓልቲ ሰሉስ አብ ዘካየደቶ ምንቅስቓስ ቤጂንግ ኣብቲ ከባቢ ንእተቕርቦ ግዝኣታዊ ሕቶ ፈታኒ እዩ ተባሂሉ’ሎ።ዩናይትድ ስቴትስ ግን እቲ ምንቅስቓስ ብዓለምለኸ ሕጊ ዝተደገፈ ልሙድ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነተይ እየ ተጠቒመ ኢላ'ላ።

XS
SM
MD
LG