ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገለ ከተማታት ቻይና ሓድሽ መልኸፍቲ ቫይረስኮሮና ምርኣዩ ተገሊጹ


ኣብ ጓንግዙን ካልኦት ከተማታትን ቻይና ሓዱሽ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ምውሳኹ ትማሊ ሰሉስ ዝወፀ ወግዓዊ መረዳእታ ኣፍሊጡ።ማእኸል ኣፍራይት ኢንዱስትሪያዊ ናውቲ ዝኾነት ከተማ ጓንግዙን ከም ከተማ ሻንጋይ ዕፅዋ ከየጋጥማ ትከላኸል እንተኾይና ኣብ ፈተና ወዲቓ ኣላ።

ብመሰረት ሰብ መዚ ጥዕና ቻይና ብደረጃ ሃገር ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ጥራሕ ናብ 7,475 ክብ ኢሉ ኣሎ።እቲ ኣሃዝ ብሰንበት 5,496 ተመዝጊቡ ነይሩ።

እቲ ወሰኽ መልከፍቲ በደረጃ ዓለም መጠናዊ እንተኾነ እውን ቕልጡፍ ምቁፅፃር ኣብ ዝግበረላ ቻይና ግን ኣገዳሲ እዩ።

XS
SM
MD
LG