ሓሙሽተ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ቻይና ኣብዘካየድኦ ጉባኤ ኣብ ልዕሊ ሊብያ ይውሰድ ንዘሎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ተቓዊመንኦ።መራሕቲ እዘን ሓሙሽተ ሃገራት ዓብላልነት ዶላር ንዝተረጋገፀሉ ንስርዓት ገንዘባዊ ዓለም ብምንቃፍ ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ቕሙጥ ገንዘባዊ ኣገባብ ንኽህሊ ፀዊዖም።
መራሕቲ እዘን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ዓበይቲ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ኣብ ሊቢያ ኣጋጢሙ ንዘሎ ቅልውላው ብሰላም ንኽፍታሕ ብምፅዋዕ ትማሊ ሓሙስ ናይ ሓባር ቅዋም መግለፂ ኣውፂኦም።
ነቲ ኣኼባ ዝመርሕዎ ፕሬዝዳንት ቻይና ሁ ጁንታኦ ንተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ናይ ሃገሮም ሻቐሎት እንትገልፁ ‘’እዘን ናይ ቀረባ ኣዋርሕ ብፖለቲካዊ ዓመፃት ዝተምልኣን ዋላው’ውን ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪካ ዅናት ከምዝነበረን እዚ ንዞባዊ ፀጥታ ብኣሉታ ይፀልዎ’’ይብሉ።
ኣርባዕተ ኣባላት እቲ ጉጅለ ማለት’ውን ብራዚል፣ሩስያ፣ህንድን ቻይናን ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሊብያ ካብ በረራ ነፃ ዝኾነ ዞባ ንኽትግበር ዓለም ለኻዊ ሓይሊ ንምእዛዝ ድምፂ ክህብ እንተሎ ድምፀ ተኣቅቦ ገይረን።
ኣብቲ ጉባኤ ንፈለማ እዋን ዝተሳተፈት ደቡብ ኣፍሪካ ግን ንውሳነ ሕቡራት መንግስታት ብምድጋፍ ድምፃ ዝሃበት እንትኸውን ትማሊ ሓሙስ ግን ብምዕራባዊያን ንዝምራሕ ኣንፃር ሊብያ ዝካየድ ናይ ነፈርቲ ወፍሪ ኣብ ምንቃፍ ናብአን ተሓዊሳ።
እተን ሓሙሽተ ሃገራት ካሊእ ዘልዐልኦ ዓብይ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻዊ ትካላት ከረጋግፅኦ ዝደለያ ናይ ሓባር ሸቶ ዝምልከት ነይሩ።
ፕሬዝዳንት ሁ ጅንታኦ ከምዝበልዎ እቶም መራሕቲ ኣብ ዓለም ሓድሽ ናይ ሓይሊ ማእኸል ንቁጠባ ዓለም ይጎድኦ ከምዘሎ ምስምምዖምን ኣብ ናይ ዓለም ኢኮኖሚ ዝርአዩ ዘለዉ ልውጥታት ዝተሓላለኹ ስለዝኾኑ ንዝበለፀ ዓለማዊ ቁጠባ ዓለም ለኻዊ ዝርርብ ምሕያል ኣድላይ ምዃኑን ይገልፁ።
እተን ሓሙሽተ ሃገራት ሰፊሕ መሰረት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ገንዘባዊ ኣገባብ ምቕማጥ ምርግጋእን ተኣማንነትን ስለዘረጋግፅ ንተግባራዊነቱ ፀዊዐን።
ኣብዚ ናይ ሕዚ ዓለማዊ ስርዓት ገንዘብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ዶላር ቀንዲ ኣገባብ መቐመጢ ገንዘብ እዩ።
እቶም መራሕቲ ሕቡራት መንግስታትን ቤት ምኽሪ ፀታን ብዙሕ ነገራት ዘጠቓለለ ለውጢ ንኽግበረሉ ፀዊዖም።እቲ ቤት ምኽሪ ውፅኢታዊ ኣድማዕን ወካልን ክኸውን ኣለዎ ይብል እቲ ዘውፅእዎ ናይ ቅዋም መግለፂ።