ቤት ምኽሪ ተወካሎ ህዝቢ ኣመሪካ ቲክቶክ ንምኽልካል ዘሕለፎ ውሳነ ስዒቡ፡ ቻይና ነቲ ተግባር ኣትሪራ ኰኒና። ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ወንቢን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እቲ ተግባር ንናጻ ውድድር ንግዲ ኣመሪካ ዝቃረን’ዩ፡” ድሕሪ ምባል “ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ዝወሰዶ ስጕምቲ ብስም ሃገራዊ ጸጥታ ንናጻ ውድድር ምዕፋን’ዩ፡” ኢሉዎ።
ቤት ምኽሪ ተወካሎ ህዝቢ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሕለፉዎ ረቂቕ፡ ብቻይናዊ ኩባንያ ዝውነን ቲክቶክ ናይ ብርኪ ብጽሒቱ ካብ ቻይናዊ ዋኒን ወጻኢ ንኽሸይጥ ንሱ ምስ ዘይገብር ድማ ኣብ ኣመሪካ ናይ ምኽልካል ስጕምቲ ክውስደኦ ምዃኑ ንድፊ የሕሊፉ ኣሎ። እዚ ረቂቕ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዓቢ ድጋፍ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ገለ ወገናት ግን ንናጽነት መሰል ምግላጽ ዝድርት’ዩ ክብሉ ተቓውሞ ኣስሚዖም።
ቻይና ብኣመሪካ ንዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ፋይስቡክን ዩትዩብን ከም ዝኸልከለት ይፍለጥ። ብዛዕባኡ ዝተሓተተ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ “ምስ ሕጋጋትን መምርሒታትን ቻይና ንዝሳነ ወፍሪ ኣይንኽልክልን ኢና። እዚ ናይ ቲክቶክ ግን ንወፍሪ ምድሃል’ዩ፡” ኢሉ።
ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ጥራይ ልዕሊ 170 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣለዉዎ። እዚ ብቻይና ዝውነን ትካል፡ ካብ ኣመሪካውያን እንኮላይ ሃገራዊ ምስጢራት ኣብ ምዕዳን ይነጥፍ ኣሎ ዝብል ክሲ ንምኽልካሉ ነዊሕ ከዘራርብ ጸኒሑ’ዩ።
ንምኽልካል ቲክቶክ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ ዘሎ ኰይኑ፡ ሰነት ምስ ዘጽድቖ፡ ፕረዚደንት ባይደን ናብ ሕጊ ንምሕላፉ ክፍርሞ ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።
ቅጥዒ