ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣውስትራልያ ኣብ ቻይና ይበጽሑ


ቀዳማይ ሚንስተር ኣውስትራልያ ኣንተኒ ኣልበኒስ - ፋይል
ቀዳማይ ሚንስተር ኣውስትራልያ ኣንተኒ ኣልበኒስ - ፋይል

ቀዳማይ ሚንስተር ኣውስትራልያ ኣንተኒ ኣልበኒስ ምስ ናይ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢፒንግ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ኣብቲ ኣብ ውሽጢ 7-ዓመታት መራሒ ኣውስትራልያ ንቻይና ክበፅሕ ፈላማይ ዝኾነ ዑደት’ቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ’ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣልበኒስ ቅድሚ’ቲ ናይ ሎሚ ሰኑይ ርክቦም ኣልበኒስ ኣወንታዊ ቃና ብምስማዕ ክልቲኣተን ሃገራት ዘለወን ዝተፈላለያ ኣርኣእያ ዝቅፅል ምኳኑ ብምስማር ግን ከኣ ምትሕብባር ክህሉ ፀዊዖም’ለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ “ ዝብሎ ዘለኹ ምስ ቻይና ኣብቲ ከሰማምዓና ዝኽእል ጉዳያት ክንተሓባበር ኣለና ኣብቲ ዘየሰማምዓና ከኣ ንረብሓ ሃገርና ክንብል ፅምዶ ክንገብር ኣለና’ ኢሎም።

ቻይና ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት አውስትራልያ ትኣቱያ ብዝብል ኣውስትራልያ ዘለዋ ጥርጣረን ቻይና ብወገና ኣውስትራልያ መበገሲ ኮቪድ-19 ይመርመር ብምባላ ብዝሓደራ ቁጥዐን ርክብ ክልቲኣተን ሃገራት ኣብ ቀረባ ዓመታት ዛሕቲሉ ፀኒሑ’ዩ።

ቻይና ብዘንበረቶ ዘይ-ወግዓዊ ማሕለኻታት ንግዲ ንልኣኽቲ ሰደድ ኣውስትራልያውያን ኣብ ዓመት ክሳብ 20-ቢልዮን ዶላር ኣውስትራልያ ወይ 13-ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣኽሲርዎም’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG