ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካን ቻይናን ንድምጾ ፋይናንሳዊ ምልውዋጥ ሓበሬታ ይሰማምዓ


ሚንስትር ትረጀሪ ኣመሪካ ምስ ቀ/ሚ ቻይና ፋይል
ሚንስትር ትረጀሪ ኣመሪካ ምስ ቀ/ሚ ቻይና ፋይል

ክፍሊ ማዕከን ገንዘብ(ትረጀሪ) ኣመሪካን ሚኒስትሪ ፋይናንስ ቻይናን ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ንዘሎ ወጥሪ ንምህዳእን ሓባራዊ ሽርክነት ንምድንፋዕን ኣበርቲዖም ክሰርሑ ተሰማሚዖም። ሎሚ ዓርቢ ካብ ክፍሊ ትረጀሪ ዝወጽአ መግለጺ ከም ዘነጽሮ፡ ክልቲኣን ወገናት ግሉጽን ንጹርን መስርሕ ቍጠባዊ ፖሊሲ ከውጽኣ ተሰማሚዐን ኣለዋ። ሓላፊ ክፍሊ ትረጀሪ ኣመሪካ ጃነት ያለን፡ እተን ብቝጠባ ዝሓየላ ክልተ ሃገራት፡ ንጹርን ግሉጽን ናይ መዘራረቢን ሓበሬታ መለዋወጢን መስመራት ክኽፈታ ተሰማሚዐን ኣለዋ ኢለን።

እዚ ክልተኣዊ ርክብ ብሚኒስተር ትረጀሪ ኣመሪካ ጃነት ያለንን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሀ ሊፈንግን ዝምራሕ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ቻይና እታ ዝዓበየት መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ ምዃና ይፍለጥ። ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኣከራኻሪት ናይ ስለያ ፍሕኛ ዝተባሂላ ዝተጠቕሰት ተኣሳሲሩ ሻሕኪሩኩሩ ዝጸንሐ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ላዕለዎት መራሕቲ ኣመሪካ ናብ ቻይና ድሕሪ ምብጻሖም ይመሓየሽ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG