ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና: 60 ቢልዮን ዶላር ደገፍ ንኣፍሪቃ መዲባ


ቻይና ነቲ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ብምሕያል፣ ንልቃሕን ልግሲን ዝውዕል 60 ቢልዮን ዶላር ንኣፍሪቃ ከምዝቀረበት ኣፍሊጣ።

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ዪንግ’ዮም ሎሚ ዓርቢ አብ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ ቻይና - ኣፍሪቃ ነዚ ልግሲን ልቃሕን ዝገለጹ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ዢ ፣ ኣብ ዞባዊ ፖለቲካ ጣልቃ ዘይምእታው ፖሊሲ ቻይና ምኻኑ ጠቂሶም። ‘ኣፍሪቃ ናይ ኣፍሪቃዊያን’ያ። ቻይና ድማ ጸገማት ኣፍሪቃ፣ብህዝቢ ኣፍሪቃ’ዩ ክፍታሕ ዘለዎ ኢላ’ያ ትኣምን’ ኢሎም።

ምዕራባዊያን መንግስታት ግና፣ ቻይና፣ ንጥረ-ነገራት ኣፍሪቃ እናቛመተት፣ ንውግኣትን መግሃስቲ መሰላትን’ታ ኣህጉር ዕሽሽ’ያ ትብል ኢሎም ይኸሱ።

ናይ’ዚ እዋን’ዚ ኣቦ-መንበር ሕብረት ኣፍሪቃን መራሒ ዚምባብዌን ሮበርት ሙጋቤ፣ ንቻይና ብምንኣድ፣ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ቻይና ትገብሮ ዘላ፣ ባዕዳዊያን ገዛእትና-ነበር ክገብሩዎ ትጽቢት ዝገበርናዮ’ዩ’ ኢሎም።

እቲ ቻይና መዲባቶ ዘላ ገንዘብ፣ 5 ቢልዮን ዶላር ወለድ ዘይብሉ ልቃሕ፣ 35 ቢልዮን ዶላር ድማ ብልግሲ’ዩ።

ቻይና ዝሓለፈ ዓመት 220 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ክልተ ወገናዊ ንግዲ ምስ ኣፍሪቃ ብምኽያዳ እታ ዝዓበየት ንግዳዊ መሻርኽቲ አፍሪቃ ክትከውን አብቂዕዋ'ዩ።

XS
SM
MD
LG