ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መድረኽ ቻይና-ኣፍሪቃ ዝሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ቤይጂንግ ኣትዮም


ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ቻይና ንምስታፍ ቤይጂንግ ኣብ ዝ ኣተወሉ ዝተወስደ
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃ-ቻይና ንምስታፍ ቤይጂንግ ኣብ ዝ ኣተወሉ ዝተወስደ

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ኣብ ቤይጂንግ ዝቓናዕ ናይ ክልተ መዓልታት መድረኽ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ቻይናን ንምስታፍ ናብ ቻይና ይኣትው ኣለው።

ቻይና ብሃገራት ምዕራብ ኣብ ከም ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ መካይንን ናይ ጸሓይ ጸዓት ተቐበልቲን ዝኣመሰሉ ንሰደድ ዘቕረበቶም ኣቑሑት መግትኢ ከይተነብረ ሃገራት ኣፍሪቃ ንተወሳኺ ልቓሕን ወፍሪን ነዚ ኣቑሑት ክወስዳ ክትጽውዕ’ያ።ይኹን ደኣ እምበር እተን ሃገራት’ውን ናተን ዝኾና ትጽቢት ሒዘን’የን ናብቲ ዋዕላ ዘቕንዓ ዘለዋ: ቻይና ነቲ ኣቐዲማ ኣብ 2021 - 300 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ኣቑሑት ንምግዛእ ዝኣተወቶ መብጽዓ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዘሎ ንምፍላጥ ክደልያ’የን።እዚ ድማ ንከም ንምብራቅ ኣፍሪቃ ከራኽብ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ምህናጽ ጽርግያታት ዝኣመሰለ ዝሓቑፍ’ዩ።

ቻይና ምስ ሃገራት እታ ብማዕድን ሃብታም ዝኾነት ኣህጉር ዝምድናኣ ንምዕሟቕ ትጽዕር፡ ብመሰረት’ዚ ድማ ንትሕተ-ቅርጺን ምዕባለን ዝውዕል ቢልዮናት ዶላር ልቓሕ ነተን ሃገራት ተዳልው።

ዋዕላ ኣፍሪቃ-ቻይና ድሕሪ ለበዳ ቫይረስኮሮና እታ ሃገር ተተኣናግዶ ዝዓበየ ዲፕሎማሲያዊ ፍጻመ ምኻኑ ትገልጽ። ኣብዚ ዋዕላ ብዝሒ ዘለዎም መራሕቲ ሃገራትን ዲፕሎማትን ክርከቡ ትጽቢት ይግበር።

ቻይና ኣብ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ዝሳተፉ ብኣሽሓት ኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ልኢኻ’ያ ብኣንጻሩ ድማ ከም ኮፐር፡ሊትየም ዝኣመሰሉ ብቀሊሉ ዘይርከቡ ባህርያዊ ማዕድናት‘ታ ኣህጉር’ውን ተጠቃሚት ኮይና’ያ።

ቻይና ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዝመደበቶ ልቓሓት ኣብ ዓበይቲ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ፕሮጀክትታት ውዒሉ’ዩ ግን ካብ ልዑል ልቓሕ ዘለወን ሃገራት ንዝቐርብ ነቐፌታ ግን ኣየጉደሎን።

ቻይና እታ ኣብ ዓለም ብቁጠባ ካልኣይቲ ደረጃ ትስራዕ ዝዓበየት ናይ ንግዲ መሻርክቲ ኣፍሪቃ ኮይና እቲ ክልቲኣዊ ንግዳዊ ዝምድና ክሳብ 167.8 ቢልዮን ዶላር ከምዝሕዝ መሓውራት ዜና ቻይና ይገልጻ። ኣብ መንጎ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ጥራይ ዘሎ ንግዳዊ ዝምድና ኣብ ዓመተ 2023 -38.3 ቢልዮን ዶላር ዝሽፍን ከምዝነበረ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ምግላጹ ኣገግልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ብመሰረት መጽናዕቲ ልቓሕ ቻይና ንኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ልቓሕ ዝረኸባ ሃገራት ኣንጎላ፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ናይጀርያን ኬንያን እየን። ይኹን ደኣ እምበር እዚ ልቓሕ ምስ ኣብ 2016 ክወዳደር ከሎ ዝተሓተ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ይሕብር።

ተንተንቲ ቁጠባ ቻይና ብሰንኪ ዝሕታለ ቁጠባኣ ዓበይቲ ልቓሓት ካብ ምሃብ ክትቁጠብ ከምዝገበራ ይገልጹ። ብተወሳኺ ቻይና ነተን ልቓሓን ክኸፍላ ዘይከኣላ ሃገራት ዋላ’ውን ኣብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝውዕል ባጀት እንተጉደላ ምስራዝ ዕዳ ክሳብ ሕጂ ኣይፈቐደትን።

እዚ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝካየድ ዋዕላ ድማ ኣብቲ ኣህጉር ጽልዋ ንምሕዳር ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይና ሓያል ውድድር ኣብ ዝካየደሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ፡ቤተ መንግስቲ ምምሕዳር ኣመሪካ ዋይትሃውስ ኣብ 2022 ቻይና ነቲ ጸቢብ ቁጠባዊን ጂኦ-ፖለቲካዊን ተገዳስነት ንምስፋሕ ክፉትነንትን ግሉጽነትን ተዳኽም ኣላ ክብል ክነቕፍ ምጽንሑ ይዝከር።

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ዲሞክራቲክ ረፖብሊክ ኮንጎ፡ ጅቡቲ፡ኢኳቶርያል ጊኒ፡ናይጀርያ፡ማሊን ካልኦትን ትማሊ ሰንበትን ሎሚ ሶኑይን ኣብቲ ረቡዕ ዝጅመር መድረኽ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ቻይና ንምስታፍ ቤይጂንግ ኣትዮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG