ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ ንድምጾ’ዶ ወይስ ተወሳኺ ዕዳ?


ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ ንድምጾ’ዶ ወይስ ተወሳኺ ዕዳ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:00 0:00

ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ ንድምጾ’ዶ ወይስ ተወሳኺ ዕዳ?

ብፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ዝተጸውዐ ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ዓመት ብሕልፊ ኣብ ተሓዳሲ ጸዓት፡ ጽላት ትሕተ-ቅርጺን መራኸቢታትን ዘተኰረ’ዩ። እዚ ርክብ ብዓይኒ ምዕራብ ከም መወዳደርቲ ዝርአ ደኣ ይዅን እምበር፡ ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃ ግን ስለምንታይ ንቻይና ከም ዝመርጹ ምጉት ኣለዎም።

ዋዕላ ቻይና-ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ቤይጂንግ ኣብ ዝጀመረሉ፡ 25 መራሕቲ ሃገራት ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ተረኺቦም ኣለዉ። ገለ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ድሮ ካብ ቻይና ዓቢ ወፍሪ ዘለወን’የን። ካብ መንጎአን ኢትዮጵያን ኬንያን ይርከበአን። እንተዀነ እቲ ርክብ ዛጊት ማዕረ ኣይጸንሐን።

ኡጋንዳዊ ዲፕሎማት ኣምባሳድር ሳይሞን ሙሉንጎ ኣፍሪቃውያን ብፍሉይ ስለምንታይ ካብዚ ርክብ ክረብሑ ከም ዝኽእሉ ከብርህ እንከሎ፤ “ኣብዚ መዳይ ኣፍሪቃ ብኣርባዕተ ጽላታት ክትረብሕ ትኽእል። ቀዳማይ ትሕተ-ቅርጺ ኰይኑ፡ ቻይና ኣብ ጽርግያ፡ መንገዲ ባቡርን ካልእን ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢ ወፍሪ ገይራ ኣላ። እቲ ካልኣይ ወፍሪን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ዕድላት ስራሕን’ዩ። እቲ ሳልሳይ ድማ ውሑድ ቅድመ-ኩነት ዘለዎ ልቓሕ’ዩ። እታ ርብዓይ ድማ ንግዲ’ዩ።” ከም ኣገላልጻ ኣምባሳድር ሙሎንጎ፡ ቻይና ብዝገበረቶ ሰፋሕቲ ወፍሪ ነቲ ዝዘርኣቶ’ያ ትሓፍስ'ላ።

ካብ መንጎ’ተን ሓያሎ ወፍሪ ቻይና ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ጂቡቲ’ያ። ብዘይካ’ቲ ኣብ ጂቡቲ ዘለዋ ወታሃደራዊ መዓስከር፡ ቻይና ሓያሎ ወፍርታት’ውን ኣለዋ። ኣብ በይጂንግ ኣብዚ ዋዕላ ተረኺቡ ዘሎ ሚኒስተር ቍጠባን ፋይናስን ጂቡቲ፡ ኢልያስ ሙሰ ዳውላህ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ርክብ ኣህጉር ኣፍሪቃን ቻይናን ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ይምጕት።

እቲ ጂቡታዊ በዓልመዚ ከም ዝገልጾ፡ ኣፍሪቃ ንዘድላያ ገዚፍ ፋይናንሳዊ ምወላ እታ እንኮ ቀራቢት ዘላ ቻይና ምዃና’ያ። ብሕልፊ ምስ ለበዳ ኮቪድን ድሒሩ ኣብ ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃን ዝተራእየ ደርቂን ብወራር ዩክሬን ዝሰዓበ ዝቕባበን፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሰፊሕ ጋግ ፋይናንስ ስለ ዘለዋ ከም መፍትሒ ናብ ቻይና’ዩ ዝጥምት።

“እቲ ዘሎ ምትሕብባር ጽምዶ ንክርድኦ ኣድላዪ’ዩ። ቻይና ደጊማ ኣብ ጎድኒ ኣፍሪቃ ደው ከም እትብል ብግብሪ ተርኢ ኣላ። ብድሕሪኡ ንጉዳይ ዕዳ ዝምልከት ቀስ ኢልካ ዝርአ’ዩ፡”ይብል ።

ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ 4.2 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ሂባ’ያ።

ፈጻሚ ዳይረክተር ኣብ ትካል ተበግሶ ምትሕባብር ቍጠባ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኢትዮጵያዊ-ኣመሪካዊ ኩቡር ገና ግን ኣብቲ ዝግበር ልቓሕ ጥንቃቐ ክግበር ከም ዘድሊ የዘኻኽር።

“ውሑድ ኣብነት ንምሃብ፡ እቶም ዝወሃቡ ልቓሕ ግሉጻት ክዀነ ኣድላዪ’ዩ። እቶም ልቓሕ ድማ ካልእ ቍጠባዊ ረብሓ ከመንጭው ኣብ ዝኽእሉ ጽላታት ክዋፈሩ ኣድላዪ’ዩ። ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብሕልፊ ምስ ቻይና ኣብ ዝህልወን ድምጾ፡ ዕዳአን ኣብ ምኽፋልን ምምሕዳርን ስራሕ የድልየን።”

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ ዘይሻራውነት ቻይና ንገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ብፍሉይ ከርብሕ ዝኽእል’ዩ። እንተዀነ ንኽልተ ወገናት ብማዕረ ዘርብሕ ክኸውን ከም ዘለዎ የዘኻኽሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG