ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሰረት ርክብ ቻይናን ኣፍሪቃን/ኢትዮዽያን እንታይ‘ዩ?


ETHIOPIA -CHINA
ETHIOPIA -CHINA
ቻይና ምስ ኣፍሪቃ ብሕልፊ ምስ ኢትዮዽያ ዝመስረተቶ ርክብ ንክልተኣዊ ረብሓታት ዝኣመተ ስትራተጂካዊ ዝምድና ምኻኑ ሓደ ተንታኒገሊፁ።

ቻይና ኣብ ስሳታት ቀንዲ ዋኒና ዝነበረ፣ምስፍፋሕ ኣረኣእያ ሎሚ ግና ረብሓኣን ረብሓ ካልኦትን‘ዩ ይብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፈርድ ላዕለዋይ ተንታኒ ቻይና-ኣፍሪቃ ዝኾነ ኢጅንዮ ጋልያርዴኖ።

ንሱ ወሲኹ“ብመንፅር ቻይና ምስ ኢትዮዽያ ዝመስረተቶ ዝምድና ክዛረብ ከሎ፣ስግር ዲፕሎማሲ፣ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምኳኑ፣ውርሻ ኣተሓሳስባን ምርድዳእን ዝኣመተ‘ዩ ይብል ኢጅንዮ ጋልያርዶኔ።ኢትዮዽያ ስነ-ሞገት ዝሑል ኲናት ቦታ ከምዘይብሉ ከምኣብነት ምጥቃስ ይካኣል”በለ።

”ምኽንያቱ መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ብውሕሉል ኣገባብ፣ስትራተጂካዊ ረብሕኡ ዝሕዘሉን ምስ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝማሓዘየሉን ኩነታት‘ዩ ዘሎ። ኢትዮዽያ ንዝዓበየ ልምዓታዊ ሓገዝ እንግሊዝ ተቀባሊት‘ያ።ኣሜሪካ‘ውን ዝዓበየ ደገፍ ይልግሰላ።ስለዚ መንግስቲ ኢትዮዽያ፣ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ፣ ኣንፃር ሕድ-ሕዶም እናላተመ ይምዝምዞምን ይጥቀመሎምን‘ሎ”ይብል።

ስለዚ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ፣ኣዕርኽትን ደገፍቲን‘ዮም ዘጥርዮ ዘለው።ውርሻታት ቀ/ሚ ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ‘ውን ረዚን‘ዩ።ኣብ‘ዚ መዋእል‘ዚ፣ቀዳሞት ምንስቲራት ቻይናን ኢትዮዽያን፣ነቲ ዝተረከብዎ ክልተኣዊ ርክብ ምቅፃሉን፣ፖለቲካዊን ኣብነታዊን ቦታ ሒዙ ምንባሩን ከረጋግፁ ድልየቶም‘ዩ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:18 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG