ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻይና እገዳን ማዕቐብን ኣይሰርሐን ትብል


ቻይና ናይ ቀደም ናይ ኣፍሪካ ሓያላት ገዛእቲ ዝፈፀምዎ ጌጋ ኣክትደግምን፡ንተራ ኣፍሪካዊያን ዝረብሕን ነዊሕ ዝፀንሕን ርክብ ክትሃንፅን እያ ይብሉ እቶም ፍሉይ ልኡኽ።

ሰበስልጣን ቻይና ኣንፃር ናይ ሱዳንን ካልኦት ጨቆንቲ መንግስታት ኣፍሪካን ዝግበር እገዳን ማዕቐብን ኣይሰርሑን ክብሉ ምስ ኣፍሪካ ይኽተልዎ ንዘለው ፅምዶ ተኸላኺሎም።ናይ ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ጉዳያት ኣፍሪካ ሊዩ ጉጂን ከም ዝበልዎ ቻይና ሓድሽ ዓይነት ተፃምዶ ዝበልዎ ኣብ ማዕርነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ርክብ ትኽተል ከምዘላ ኣፍሊጦም ኣለው።

ቻይና ናይ ቀደም ናይ ኣፍሪካ ሓያላት ገዛእቲ ዝፈፀምዎ ጌጋ ኣክትደግምን፡ንተራ ኣፍሪካዊያን ዝረብሕን ነዊሕ ዝፀንሕን ርክብ ክትሃንፅን እያ ይብሉ እቶም ፍሉይ ልኡኽ።

ሊዩ ብዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝድለዩ ፕሬዝዳንት ሱዳን ኦማር ኣል-በሽር ኣብዝቕፅል ሰሙን ኣብ ቻይና ዑደት ንምፍፃም ኣብዝዳለውሉ እዋን እዮም እቲ መግለፂ ንጋዜጠኛታት ዝሃቡ።

ቤጂንግ ንፕሬዝዳንት ኣል-በሽር ብምእንጋድ ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣገባብ ትንቀሳቐስ ኣላ ንዝብል ኣበሃህላ ቻይና ውዕል ሰላም ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተፈጠረ ህውከት ንኽብቅዕ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ወገናት ፀቕጣ እናሐየለት እያ ክብሉ ሊዩ ነቲ ኣበሃህላ ይነፅግዎ።

ብምስዓብ ድማ ‘’ኣብኡ ዘሎ ሽግር፡ኣብ ባይታ ዘሎ ግጭት ብሓቂ ክትፈትሕ እንተደሊኻ እገዳን ማዕቐብን ምግባር ነቶም ሽግራት ምፍታሕ ኣይክኣልን ይብሉ።እዚ ብብዙሕ መርትዖ ተረጋጊፁ እዩ።ነዚ’ውን እዩ ቻይና ምስ ኣፍሪካ ሓድሽ ዓይነት ርክብ ትደሊ ዘላ።እቲ ርክብ ኣብ ማዕርነትን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ርክብ እዩ።’’ይብሉ።

ቻይና ንሱዳን እታ ዝዓበየት ኣፅዋር እተቕርብ ሃገር እያ።ፕሬዝዳንት ኣል-በሽር ኣብ እዋን መገሽኦም ቻይና ኣብ ሱዳን ብዛዕባ እተካይዶ ኢንቨስትመንት ክመያየጡ ትፅቢት ይግበር።

ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ሂላሪ ክልንቴን ብቻይና ዝምራሕ ኣብ ኣፍሪካ ይጅመር ካብዘሎ ሓድሽ መግዛእቲ ክጥንቀቑ ኣለዎም ክብላ ንመራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ዛምቢያ ኣጠንቂቐን ነይረን።

ቻይና ኣብ ኣፍሪካ እተካይዶ ኢንቨስትመንት ዓለም ለኻዊ ስርዓት ግልፅነትን ሰናይ ምሕደራን ዘይተኸተለ ብምዃኑ ከምዝተሻቐላ ገሊፀን ነይረን፡ሂላሪ ክልንቴን።

ሊዩ ነቲ ናይ ክልንቴን መጠንቀቕታ ዘይምኽኑይን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG