ቻይና ካብቲ ዝተፀበናዮ ንላዕሊ ኾይና ኢና ረኸብናያ ክብሉ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ቻይና ኸይዶም ኣብኡ ዝመሃሩ ዘለው ተማሃሮ ላዕለዋይ ትምህርቲ ገሊፆም።
አርኣያ ከበደ ካብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ብዓለም-ለኸ ርክባት፡ ጻድቃን ገብረኣምላኽ ኸኣ ካብ አስመራ ብሳይንስ ሕክምና ዝለዓለ ትምህርቶም ኣብ ቻይና ኣብ ምክትታል ይርከቡ። ብዛዕባ ትምህርቶም መነባብሮኦምን ከምኡ’ውን ቓንቓን ባህልን ቻይና ተመኩሮኦም ኣዕሊሎምና’ለው።