ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቺለ፡ ንግዳያት ባርዕ ሓዊ ንምዝካር ክልተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ


ተደራራቢ ባርዕ ዱር ንማእከላይ ወገን ቺለ ኣጥቂዑ ብውሑዱ ን123 ዜጋታት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ቺለ ክልተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጃ ኣላ። ኣብቲ ቪና ደል ማርን ቫልፓራይሶን ዝተባህላ ከተማታት ዝያዳ ሓደጋ ዘውረደ ባርዕ፡ ንኣሽሓት ኣባይቲ ሃሚዅ፡ ኣማኢት ነበርቲ ድማ ገና ደሃዮም ኣይተፈልጠን።

እቲ ባርዕ ንመዓልታት’ዩ ቀጺሉ።

ካብቲ ሓዊ ዝሃደሙ ነባሮ፡ ናብቲ ዝዓነወ ኣባይቶም ተመሊሶም፡ ተረፍ ሓዊ ንብረት እንተረኸቡ ይምእርሩ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን በዓልቲ ቤቶም ጂል ባይደንን ትማሊ ሰኑይ ነቲ ዘጋጠመ ባርዕ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖም ሓዘን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣመሪካ ኣብ ሓገዝ ግዳያት ክትሳተፍ ምዃና ቃል ኣትዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG