ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 “ኣስታት 800 ሽሕ ህጻናት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደጋ ጥምየት አንጸላልይዎም” ዎርልድ ቪዥን ቻሪቲ


ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ንህጻናት ወሃቢ ትካል ዎርልድ ቪዥን ቻሪቲ ብሰንኪ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ዘሎ ግጭት ከምኡ’ውን ኣብቲ ዞባ ብዝተራእየ ተደጋጋሚ ደርቂ ልዕሊ 15 ሚልዮን ህጻናት ሓገዝ መግቢ፡ማይ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርቲን ከምዘድልዮም ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድሕን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ዎርልድ ቪዥን ቻሪቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ኬንያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ቁጽሪ ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላልዎም ወገናት ምውሳኹን ኣብ ገለ ከባቢታት’ውን ሓደ ሲሶ ካብ ህጻናት ናይ ጥዕና ጸገማት የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሩ’ሎ።

ናይቲ ትካል ዳይሬክተር ክፍሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሪስቶፈር ሆፍማን “ ሕጂ’ውን ኣብቲ ናይ ሓደጋ ዞባ ኢና ዘለና። ኣስታት 800,000 ህጻናት ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቕዑ ህጻናት አለው፡ እዚኦም ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላልዎም ዘለው’ውን እዩ” ይብል።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ሓደጋ ጥምየት ከየጋጥም ዘለና ጊዜ ሰሙናት ወይ’ውን ብኣዋርሕ ዝቑጸር ጊዜ እዩ ይብሉ።


ዎርልድ ቪዥን እቲ ዝዓበየ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሓገዝ ንህጻናት ወሃቢ ትካል ኮይኑ ኣብቲ ዞባ ዘድልይ ሓገዝ ንክወሃብ መበል ካልኣይ ጻዊዒት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ የካይድ ኣሎ።

ኣብ መጀመርያ’ዚ ዓመት’ዚ ገለ ዞባታት ደቡብ ሱዳን ብጥምየት ዝተጠቕዓ ምኳኑ ይፍለጥ ኣብዚ ጊዜ’ዚ እቲ ኩነታት ከይድገም ስግኣት ከምዘሎን ከምኡ እንተኮይኑ ድማ ብቕልጡፍ ናብ ሶማል ክምዕብል ከምዝኽእል እቲ ትካል ወሲኹ የረድእ።

ሚስተር ሆፍማን “እዚ ሓደጋ ጥምየት ንኣስታት 24 ሚልዮን ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጸልው እዩ እዚ ድማ ልዕሊ እቲ ኣብ በርሊን፡ለንደን፡ቺካኮን ባንጎክ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ እዩ” ኢሉ።

ኣብ ሶማል ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ትሕቲ’ቲ ብዓለምለኸ ደረጃ ኣፍልጦ ዝወሃቦ ሓደጋ ጥምየት እዩ እንተኾነ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ደርቂ ልዕሊ 890,00 ሰባት ካብ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ነሓሰ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ክኾኑ ከለው ካልኦት 160,000 ድማ ብሰንኪ ግጭት ዝተበዛበሉ አለው።

እዞም ካብ መነባርብኦም ዝተመዛበሉ ድማ ንሓደጋ ጥምየት ዝያዳ ዝተቓልዑ እዮም ክብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ሰብኣዊ ጉዳያት ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG