ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ልዕሊ ህፃናት ንዝፍፀም ምዝመዛ ዝዋጋእ ዓለምለኸ ትካል 1.5 ሚሊዮን ዶላር ተሸሊሙ


ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀም ወሲባዊ ምዝመዛን ዘይሓግዊ ዝውውርን ንምዕጋት ብዝገበሮ ፃዕሪ ኤክፓት ዝተብሃለ ዓለምለኸ ካብ ሂልተን ፋውንደሽን ሽልማት ረኺቡ።ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ንዝፍፀም ምዝመዛ እኹል ትኹረት ዝተውሃቦ እንተኾነው’ውን ናይ ሓበሬታ ፀገም ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብ ኣፍሪካ ዘይሕጋዊ ዝውውር ህፃናት ንምግታእ ዘኽእል መደብ ንምሕንፃፅ ኤክፓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝፀውዖ ኣሁጉራዊ ኣኼባ እዩ እቲ ትካል ነቲ ሽልማት ዝሰዓረ ምዃኑ ዕላዊ ዝኾነ፤ብመሰረት ናይ ሂልተን ናይ ፅሑፍ መግለፂ።

እናዓበየ ይመፅእ በዘሎ ናይ ቱሪዝም ምንቅስቓስ፣ናይ ስድራ ምብትታ፣ምትእትታው ሓድሸቲ ቴክኖሎጅታት፣ፍልሰትን ድኽነትን ዘይሕጋዊ ናይ ህፃናት ዝውውር ኣብ ኣፍሪካ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይርከብ።

በብዓመቱ 1.2 ሚሊዮን ህፃናት ብዘይሕጋዊ ኣዘዋወርትን ደለልትን ከምዝስረቑ እቲ መግለፂ ይሕብር።ብዓለምለኸ ደረጃ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀም ንግዲ 12 ቢሊዮን ዶላር ከምዝበፅሐ ናይ ሂልተን ፋውንዴሽን ፕሬዝዳንት ብምጥቃስ እቲ መግለፂ ጠቒሱ’ሎ።

ኤክፓት ነዚ ገበን እዚ ጠጠው ንምባል ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣቦመንበር ኮሚቴ መሰል ህፃናት ኣፍሪካን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ድማ ምኽትል ኣቦመንበር ኮሚቴ መሰል ህፃናትን ዶ/ር ቢኒያም ዳዊት ገሊፆም።

ዶ/ር ቢኒያ እቲ ፀገም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለሉ ኩነት እንትገልፁ እቲ ጉዳይ ዝግብኦ ትኹረት ምርካብ ዝጀመረ ሎሚ ወይ ዝሓለፈ ዓመት ኣይኮነን ኢሎም።

ይኹን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓብዪ ፀገም ሕፅረት መረዳእታ እዩ ከም ሪኢቶ ዶ/ር ቢኒያም።ቁፅሪ ግዳያት ህፃናት ክንደይ ከምዝኾኑ፣ነዚ ገበን እዚ ዝፍፅሙ ሰባትኸ እኒ መን እዮም፣ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ስጉምቲኸ እንታይ እዩ ዝብሉ መረዳእታታት የለን ኢሎም ብምውሳኽ።

ኤክፓት ኢንተርናሽናል ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀሙ ወሲባዊ ንግዲ ንምምካት ናይ ዝተጣየሹ ዓለምለኸ ትካላት መርበብ እዩ።

እቲ ትካል ኣብ 74 ሃገራት ዝንቀሳቐስን 81 ትካላት ዝሓቖፈ እዩ።ካብ ሂልተን ፋውንዴሽን ዝረኸቦ ሽልማት 1.5 ሚሊዮን ዶላር ምዅኑ እውን ተፈሊጡ’ሎ።
XS
SM
MD
LG