ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓለም ሞት ህፃናት ኣዚዩ እናነከየ እዩ ተባሂሉ


The highest rates of child mortality are in sub-Saharan Africa, where 1 in 7 children die before their fifth birthday (UNDP)
The highest rates of child mortality are in sub-Saharan Africa, where 1 in 7 children die before their fifth birthday (UNDP)

ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሞት ህፃናት ናብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝወረደ ተገሊፁ።ምሕዩሽ መንግስታዊ ኣገልግሎታትን ኣብ መከላኸሊ ጥዕና ቀፃሊ ስጉምትታት ስለዝተወስዱን ኣብ መንጎ ሃፋትምን ድኻታትን ስድራታት ዘሎ ኣፈላላይ ሞት ህፃናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ይፀብብ ኣሎ።

ብመሰረት ፀብፃብ ሕቡራት መንግስታት ቁፅሪ ትሕቲ ሓሙሽ ዓመት ዝሞቱ ህፃውንቲ ኣብ 1990 ኣ/ፈ 12.7 ሚሊዮን ነይሩ።ኣብ 2013 ኣ/ፈ ግን ናብ 6.3 ሚሊዮን ወሪዱ’ሎ።ኣብ ማዕልቲ 17 ሽሕ ሞት ማለት እዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ስታንፎርድ ተንታኒ ጥዕና ህዝቢ ኢራን ቤንዴቪድ እዚ ውፅኢት ዝመፀ ሳላ ኣብ ዝተሓተን ማእኸላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ናይ ዓሶ መከላኸሊ ዛንዜራ፣ብተቕማጥ ንዝሓሙ ህፃናት ድማ ጨው ኢንግሊዝ ስለዝውሃቦምን እዩ ይብሉ።

‘’ሰባት ኣብ ማዕልቲ ብማእኸላይ ብሓደ ወይ ብኽልተ ዶላር ናይ ዝነብረለን ናይ ድኻ ድኻ ሃገራት ኢና ንዛረብ ዘለና’’ ዝበሉ ንሶም ኣስዒቦም ‘’ኣብዘን ሃገራት እዚአን ሞት ህፃናት ኣዚዩ ምትሓቱ ተዓዚብና ኣለና።ቅድሚ ሎሚ ሪኦምዎ ብዘይፈልጡ ደረጃ እዮም ወለዲ ደቆም ዝድሕኑ ዘለው’’ኢሎም።

ብክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ዩኒቨርስቲ ሳንፈርድ ንዝተኻየደ መፅናዕቲ ዝመርሑ ቤንዴቪድ እቲ መፅናዕቲ ኣብ 54 ሃገራት ከምዝተኻየደ ሓቢሮም።ኣብቲ መፅናዕቲ ልዕሊ 920 ሽሕ ስድራ ወይ 1.2 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ተሳቲፈን ኣለዋ።

ተመራመርቲ ናይ ክልተ እዋናት ኣነፃፂሮም።ካብ 2000 ክሳብ 2007 ኣ/ፈ ዝነበረ ሞት ህፃናት በቲ ሓደ ወገን ብኻሊእ ገፅ ድማ ካብ 2008 ክሳብ 2012 ኣ/ፈ ንዝነበረ።

ኣብ ድኻ ስድራታት ካብ 1,000 ናብ 4.3፣ማእኸላይ እቶት ካብ ዘለዎም 1,000 ስድራ ናብ 3.36፣ካብ 1,000 ሃብታም ስድራታት ድማ ናብ 2.06 ሞት ህፃውንቲ ወሪዱ’ሎ።

ሰናይ ምሕደራ ኣብ ዘለወን ሃገራት ዓለምለኸ ረድኤት ናብቲ ዘድልዮ ህዝቢ ክበፅሕ ከምዝኽእል ቤንዴቪድ ይገልፁ።

ግዕዝይናን ሕጊ ኣልቦነትን ኣብዝነገሰለን ሃገራት ቁፅሪ ዝሞቱ ህፃውንቲ ወሲኹ’ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ናይጀሪያ ቦኮ-ሓራም ኣለካ።ኩነታት ፓኪስታን እውን እቲ ዝርአ ዘሎ እዩ።ሰራሕተኛታት ጥዕና ኽታበት ስለዝሃቡ ግዳያት መጥቓዕቲ ዝኾንሉን ግቡእ ሓለዋ መንግስቲ ዘይረኽብሉን ሃዋህው እዩ ዘሎ።
ኣብ መንጎ ሞት ሃፍታምን ድኻን ህፃናት ዘሎ ክፍተት ኣገዳሲ ምምሕያሽ ዘርአያ ሃገራት ባንግላዲሽ፣ቦልቪያ፣ኣይቮሪ ኮስት፣ግብፅን ጋናን እየን።

XS
SM
MD
LG