ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣመጋግባ ህፃናት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ንድሕሪት ተሪፋ ተባሂሉ


ሳዕቤኑ ድሒሩ ከምዝጋሃድ‘ውን እቲ ሓድሽ መፅናዕቲ የርኢ

ካብ ፍርቂ ዘይበዝሓ ሃገራት ይምዕብላ ዘለዋ ሃገራት፣ንምለንየማዊ ሸቶ ምንካይ ጥምየት ህፃናት ከዕውታ ከምዝኽእላ ሓደ መፅናዕቲ ገሊፁ።

እቲ ሓድሽ ርኽበት፣ውፅኢት ሃገራዊ መፅዕቲን ዓመታት ንድሕሪት ተመሊስካ ዝተካየዱ ምርምራትን‘ዩ።

ኣብ‘ቲ መፅናዕቲ ድማ ኣባላት ውድብ ጥዕና ዓለምን ዩኒቨርሲታት ኣሜሪካን ተሳቲፎምሉ‘ለው።ነቲ ጉጅለ ዝመርሐ ካብ ኮሜጅ ኢምፔርያል ለንደን ማጂድ ኢዛቲ‘ዩ።

ብዛዕባ ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ክዛረብ ከሎ፣ኣብ‘ዞም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኩነታት እናገደዶም ከምዝመፁን፣ሎሚ ምስ ሕሉፍ ክነፃፀር ከሎ ብመንፅር ኣመጋግባ ህፃናት ሕማቅ ኣሎ ይብል።ገለ ሃገራት ኣብ‘ዚ ስራሕ‘ዚ ደሓን ሰሪሐናሉ‘የን።ብሓፈሽኡ ግና ኣፍሪቃ ኣብ ፅቡቅ የላን‘ውን ይብል።

ፕሮፈሰር ኢዛቲ ወሲኹ፣ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ስለምንታይ ንድሕሪት ከምዝተረፈት ንምንፃር ኣይተኻኣለን ዘሎ።ንምግማት ግና ይብል፣

ፕሮፈሰር ኢዛቲ ”ብመንፅር ኣብ መዳያት ንግዲ ናፃ ምግባር፣መንግስቲ ዝብጅቶ ገንዘብ ምንካይ፣ገንዘብ ሓገዝ ምምዳብ፣ከምኡውን ኣብ ሕርሻ፣ኣመጋግባ፣ምክፍፋል እኽሊን ኣገልግሎት ጥዕናን ብደረጃ ስድራ-ቤት፣ኣብ ሰማንያታትን ቴስዓታትን ዝተተግበሩ ፖሊሲታት፣ኣበር ነይርዎም ኢልና ንጥርጥር ኢና” ይብል።

ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ፅቡቅ ይኸዳ ኣለዋ ተባሂለን ዝተገልፃ ሃገራት፣ ጋና፣ኣንጎላን ቦትስዋናን‘የን።

ኣብ ኩነታት ኣመጋግባ ህፃናት ከምመምዘኒ ዝተጠቅመሉ ረቋሒ፣ርዝነትን ቁመትን ህፃናት‘ዩ።ቆልዑ ኣብ እዋን ህፃንነቶም ብኣመጋግባ እንተተጎዲኦም፣ ዳሓር ዝህልዎ ሳዕቤን ከቢድ ከምዝኾነ እቲ መፅናዕቲ ይሕብር።

ኣብ እዋን ህፃንነቶም ብኣመጋግባ ዝተጎድኡ ቆልዑ ኣብ ቤ/ትምህርቲ ትሑት ውፅኢት ከምዘመዝግቡ መፅናዕታት ይገልፁ።ንሕማማት ንምፅዋር ዝህልዎም ዓቅሚ‘ውን ትሑት ይኸውን።

ጉድለት ኣመጋግባ ህፃናት ንምውጋድ፣ፍትሓዊ ቁጠባዊ ምዕባለ ክረጋገፅ፣ ኣብ ናእሽቱ ግራት ንዝዋፈሩ ሓረስቶት ምድጋፍ፣ንድኻታት ዝዓለመን ብደረጃ ስድራ-ቤት ዝትግበር ፖሊሲ ጥዕና ምትግባርን ቁልፊ ተራ ከምዘለዎም ፕሮፈሰር ኢዛቲ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG