ገለ ካብ ሃገራት ምብራቓዊን ደቡባዊን አፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ዝናብ አዋርሕ ውሑድ ወይ’ውን ፈጺመን ዝናብ ኣይረኸባን። እዚ ኩነታት በቲ አብተን ሃገራት ብዘጋጠመ ለውጢ ኩነታት ኤል-ኒኖ ተጋዲዱ’ሎ። እቲ ኩነታት ዋዒ ኽሊማ ድማ አብ መጀመርያ ክልተ ኣዋርሕ’ዚ ሓድሽ ዓመት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ’ዩ።
ብመሰረት ጸብጻብ UNCIEF ብሰንኪ’ቲ ኣብዚ ዞባ ተከሲቱ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ኩነታት’ቶም ድሮ ብዋሕዲ መግቢ ተሃስዮም ዘለው ኣሽሓት ኣማኢት ህጻናት ናብ ዝከፍአ ደረጃ ክወርድ’ዩ ። ንአብነት አብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ሰባት ብጥምየት ተጠቒዖም ኣለው እዚ ቁጽሪ ድማ አብ 2016 ዓ.ም ናብ 15 ሚሊዮን ክብ ክብል’ዩ ይብል ጸብጻብ እቲ ትካል። ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ አብ ዝመጽእ ዓመት ቁጽሪ ብዝከፈአ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝተጠቖዑ ህጻናት ናብ 350,000 ክበጽሕ’ዩ ይብል።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።