ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢዱ ዝሃበ ሓላፊ ስለያ ኣል-ሸባብ ንጎነፃዊ ኣገባብ ቓልሲ ኮኒኑ


ሰበስልጣን ሱማሊያ ሓላፊ ስለያ ኣል-ሸባብ ዝነበረ ዘካሪያ ኢስማዒል ኣሕመድ ሀርሲ ኢዱ ምሃቡ ካልኦት እውን ኣሰሩ ክስዕቡ ጨዊዖም።ካብ ላዕለዎት ሸውዓተ መራሕቲ ኣል-ሸባብ ሓደ ዝነበረ ዛኪ ብዝብል ዝፍለጥ ዘካሪያ ንጎነፃዊ ኣገባብ ቃልሲ ኣል-ሽበባ ብምኹናን ኣባላት ኣል-ሸባብ ዕላምኦም ብሰላማዊ መንገዲ ንኸሰጉሙ ፀዊዑሎ።

ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ናይ ዘለዎ ኣል-ሸባብ ሓላፊ ሰለያ ዝነበረ ዘካሪያ ኣብ ዘለዎ ንዝሓበረ 3 ሚሊዮን ዶላር ሽልማት ዘውህብ እዩ ነይሩ።ንሱ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃቦ መግለፂ ድሕሪ ደጊም ኣባል ኣል-ሸባብ ኣይኮንኩን ኩሎም ግጭታት ብዕርቂ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ።

መንግስቲ ሱማሊያ ኣባል ጉጅለ ሽበራ ንዝኾነ ጎነፅ ብምኹናን ኢዱ ንዝሃበ ኣባል ጉጅለ ሽበራ ምሕረት ከምዝህብን ምስ ሕብረተሰብ ክፅንበሩ እውን ከምዝሰርሕን ምንስቴር ሓበሬታ ሱማሊያ ሙስታ ዱሁሎው ገሊፆም።

‘’ፌደራላዊ መንግስቲ ሱማሊያ ጌግኦም ፈሊጦም ዓመፅ ንዘውግዙን ኣባላት ኣል-ሸባብ ምስ ሕብረተሰብ ሱማሊያ ናይ ምፅንባር ዕድል ክህልዎምን ደሕንነቶም ክሕሎን ብተደጋጋሚ ቃል ሂቡ እዩ’’ምስ በሉ ‘’ከም ዛኪ ኣፈላላያትና ብሰለማዊ መንገዲ ክንፈትሖ ንኽእል ኢና’’ኢሎም።

ሓሳን ዳሂር ኣወይን ካሊእ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰይድ ኣታምን ኢዶም ካብዝህቡ ዛኪ ዳሕረዋይ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣል-ሸባብ ኢዩ።

ላዕለዋይ መራሒ ኣል-ሸባብ ኣብዲ ጎዳኔ ብናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ መስከረም 2013 ኣ/ፈ ተቐቲሉ።ካብኡ ጀሚሩ መሪሕነት ኣል-ሸባብ ተኸፋፊሎም እዮም ፀኒሖም እዮም።ግን ኣል-ሸባብ ንመንግስቲ ሱማሊያ ፈታኒ ዝኾነ ብርቱዕ ተዋጋኢ ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG