ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊፋ፤ ቱርካዊ ስራሕ መግቢ ዋንጫ ዓለም ክትንክፍ ዝከኣለሉ መገዲ ክጻረ ሓቲቱ


ፍሉጥ ቱርካዊ ሰራሒ መግቢ ኑስረት ጎኪ፣ ሕርይቲ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣርጀንቲና ኣብ ልዕሊ ጋንታ ፈረንሳ ኣንጸባራቒ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ናብ’ቲ ስታድየም ወሪዱ ከመይ ገይሩ ንጽዋዕ ዓለም ክትንክፍ ዝኻኣለሉ ከቢድ ጸጥታዊ ጉድለት ንክጻረ ዓለም ለኸ ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ (ፊፋ) ወሲኑ።

መርበብ ሓበሬታ ፊፋ "ጽዋዕ ዓለም ሓደ ካብ’ቶም ዝላዓሉ ምልክታት ስፖርት ተገይራ’ያ ትቁጸር" ይብል። ብመሰረት’ዚ ክትንክፉዋ ዝኽእሉ፣ ብምሩጻት ሰባትን ነታ ጽዋዕ ቅድሚ ሎሚ ዝወሰዱን ጥራሕ ከምዝኾኑ’ውን ሓቢሩ።

ፊፋ ኣብ መግለጺኡ ሓደ ውልቀ ሰብ ከመይ ገይሩ ኣብ ስታድየም ሉሰይል፣ ከይተፈቐደሉ ነታ ጽዋዕ ዓለም ክትንክፋ ከምዝኻኣለ ክጻረን ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎን ይብል።

XS
SM
MD
LG