ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕገ መንግስታዊ ስርዓተ ቁጽጽርን ሚዛንን መንግስቲ ኣሜሪካ


ሰለስቲኡ ጨናፍር መንግስቲ ኣሜሪካ
ሰለስቲኡ ጨናፍር መንግስቲ ኣሜሪካ

ኣቃውማ መንግስቲ ኣሜሪካ

ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ንፌደራላዊ መንግስቲ ኣብ ሰለስተ ጨናፍር ይመቓቕሎ። ከምውጽኢቱ ድማ ሓደ ጨንፈር ኣብ ልዕሊ'ቲ ካልእ ጨንፈር ልዕልና ወይ ጽልዋ ከየሕድር ገይርዎ'ሎ።

ሓጋጊ ኣካል (ቤት ምኽሪ) ሕጊታት ይሕንጽጽ፣

ፈጻሚ ኣካል (ፕረዚደንትን ምክትሉን ምስ ካቢነታትን) ንሕጊ የፍጽሙ

ተርጓሚ ኣካል ( ፌደራላዊ ኣብያተ ፍርዲን ካልኦትን)

ሓደ ጨንፈር መንግስቲ ንስራሕቲ ካልእ ጨንፈር ክቅልብሶን ክልውጦን ስልጣን ኣለዎ። ንኣብነት፣ ፕረዚደንት ነቲ ብቤት ምኽሪ ዝጸደቐ ሕጊ ክስዕሮ ስልጣን ኣለዎ (ቬቶ ፓወር ይባሃል)። ብካልእ ወገን ቤት ምኽሪ ንፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ከባርር ስልጣን ኣለዎ።

ዳያኑ ፌደራላዊ ኣብያተ ፍርዲ፣ ሕገ መንግስታዊ ንዘይኮኑ ሕጊታት ክገትኡ ስልጣን ኣለዎም። ከምኡ ኮይኑ'ውን ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብፕረዚደንት ይሕጸዩ ብቤት ምኽሪ ይጸድቕ ሕጸኦም።

ረብሓ ኣሜሪካዊያን በዞም ዝተጠቕሱ ስርዓተ ቁጽጽርን ሚዛንንን ይረጋገጽ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:48 0:00

XS
SM
MD
LG