ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንቻርለስ ተይለር ገበነኛ ኢሉዎም


ይግባይ ናይ ምባል መሰሎም’ውን ዝተሓለወ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ናይ ላይበሪያ ፕሬዝዳንት ንዝነብ ቻርለስ ተይለር ኣብ እዋን ዅናት ሕድ ሕድ ሲየራ ሊዮን ንኣሰቃቒ ገበናት ዅናትን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ንዝተፈፀሙ ገበናት ዅናትን ብምሕጋዝ ገበነኛ ኢሉዎም።ተይለር ንዝቐረብዎም ክስታት ገበን ኣይወዓልኩሉን ኢሎም ኣለው።ይግባይ ናይ ምባል መሰሎም’ውን ዝተሓለወ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ፀሊም ሱፍ ተኸዲኖም ኣብ ገፆም ሓዘን ይንበብ።ናይ ቀደም ናይ ላይበሪያ ፕሬዝዳንት ቻርለስ ተይለር።ፕሬዝዳንት እቲ ቤት ፍርዲ ዝኾኑ ሪቻርድ ሉሲክ ብሕቡራት መንግስታት ኣቢሉ ኣብ ዘሄግ ዝተጣየሸ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ከንብቡ እንተለው ተይለር ፂን ኢሎም ይሰምዑ ነይሮም።

ንዓንቀፅ 6.1 እቲ ሕጊ ብምጥሓስ ገበናት ንኽፍፀሙ ብምሕጋዝን ብምድጋፍን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1998 ኣብ ኮኖን ማከኒን /ኣብ ሲየራ ሊዮን ማለት እዩ/ ዝተፈነው መጥቓዕትታት ንኽፈፀሙ ብምትላም፡ካብ ወርሒ ታሕሳስ 1998 ክሳብ ወርሒ ለካቲት 1999 ንዝተኻየደ ንከተማ ፍሪታውን ናይ ምውራርን ካብታ ከተማ ናይ ምንስሓብን ገበናት ገበነኛ ምዃንኩም እቲ መጋባእያ ብሓደ ድምፂ ወሲኑ’ሎ ኢሎም እቶም ዳኛ።

ነቲ ኽልተ ሰዓታት ዝወድአ ንባብ ውሳነ ዳኛ ዓለም እውን ብቐረባ ተኸታትቲላቶ’ላ።ብዙሓት ሲየራ ሊዮናዊያንን ላይበሪያዊያንን እውን ብሬድዮን ተለቪዥንን ተኸታቲሎምዎ።

ወሃቢት ቃል ህይውማን ራይትስ ዎች ጀራልዲን ማቲዮሊ ዘይትነር ታሪኻዊ ኣጋጣሚ እዩ ክብላ በቲ ውሳነ ምዕጋበን ይገልፃ።

ተይለር ኣብ ልዕሊኦም ንዝቐረቡ ክስታት ኣይፈፀምኩን ኢሎም።እቲ ናይ ዘ ሄግ ቤት ፍርዲ ብዓቃቢ ሕግን ተኸላኻሊ ጠበቓን ንዝቐርብ ናይ ቃል ክርክር ከምኡ’ውን ተይለር ነቲ ቤት ፍርዲ ክህብዎ ዝደልዩ ሪኢቶ እንተሃሊዩ ንምስማዕ ንዝቕፅል 16 ግንቦት ቆፀሮ ሒዙ’ሎ።እቲ ፍርዲ ግን ን30 ግንቦት ኣ/ፈ ክውሃብ ተወሲኑ’ሎ።ተይለር ምስተፈረዶም ኣብ ብሪታኒያ ክእሰሩ ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG