ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ጥልያን ንምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘቕረቦ መምርሒ ይቓወማ


መንግስቲ ጥልያን ካብ ወደባቱ ዝብገሳ ዘይመንግስታዊ መራኽብ ኣብ እዋን ህይወት ኣድሕን ስደተኛታት ማእኸላይ ባሕሪ ክኽተልዎ ዝግባእ መምርሒ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምውሳኑ ፡ ነቲ መምርሒ ነተን ብተደጋጋሚ ናብ ማእኸላይ ባሕሪ ስርሒት ህይወት አድሕን ዘካይዳ ትሸዓተ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሂቡ’ሎ። እንተኾነ ትካላት ሓገዝ ወሃብትን ተሓለቕቲ ሰባኣዊ መሰላትን እዚ መምርሒ ንህይወት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ሓደጋ ዘእትው እዩ ክብል ተቓውሞኦም ሕርቃን ብዝመልኦ መንፈስ ይገልጹ ኣለው።

ብመሰረት እዚ ብሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ሎሚ ሶኑይ ዝጸደቐ ሓድሽ መምርሒ ንስርሒት ህይወት አድሕን ዝንቀሳቀሳ መራክብ፡ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ብቴሌፎን ምስ ዝህብዎ ሓበሬታን ናይ መብራህቲ ምልክት ጥራይ ናይ ህይወት አድሕን ስርሒት ከየካይዳ ይኽልክል።ብተወሳኺ እዘን መራኽብ ዳሕሳስ ኣብ ዓለምለኸ ማያት ጥራይ ከኻይዳ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጥልያን ንዝተጸግዑ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ጥራይ ክሕግዙ ይእዝዝ።

እዚ መምርሒ ብተወሳኺ ነዚ መምርሒ ዝጠሓሳ መራኽብ ኣብ ወደባት ጥልያን ክዓርፋ ከምዘይፍቐደለን ይገልጽ።

ገለ ወገናት ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ምስ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ይተሓባበራ እየን ክብሉ ክኸሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ እተን ትካላት ግን ነዚ ክሲ ብምቅዋም ብፓርላማ እቲ ሃገር ንዝተኻየደ ክልተ ምርመራ ይጠቕሳ።

ካብ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ጁዲዝ ሳንደርላንድ “ኣብ ባሕሪ ዘጋጥም አሰቃቂ ሓደጋ፡ ኣብ ሊብያ ዘሕልፍዎ ዓመጽን ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራት ኣውሮጳ ምስ ጥልያን ብምትሕብባር ነቲ ናይ ዳሕሳስን ህይወት አድሕን ስርሒታት ክሳብ ወሰን ሊብያ ከስፍሑ እምበር ናብ ገማግም ጥልያን ጥራይ ክውስኑ ኣይግባእ”ይብላ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጸደቐ መምርሒ ሓገዝ ወሃብቲ መራኽብ ናብ ማያት ሊብያ ዝአትው ህይወት ሰብ ከጥፍእ ዝኽእል ክእለ ዘይኸአል ሓደጋ ምስ ዝሕልው ጥራይ’ዩ ይብል።

እዚ መምርሒ ንቀዳማይ ሚንስትር ፓውሎ ጀነቲሎኒ ከጋጥሞም ዝጸንሓ ጸረ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣርእያታት ደው ንምባልን ዋሕዚ ስደተኛታትን ንምግታእ ዝወሰድዎ ዳሕረዋይ ስጉምቲ’ዩ።

ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ምጥያስ ኣብ ጥልያን ዘለው ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ጉዳይ ዜግነት ኣብ ጥልያን ዝተወልዱን ነበርቲ ጥልያን ሓያል ክትዓት ኣብታ ሃገር ይኻየድ ምሕላው ይግለጽ ኣሎ።

ንጉዳይ ዜግነት ዝምልከት ዝቐረበ ረቒቅ ንካልእ ጊዜ ምትሕልላፉ ዝገለጸ መንግስቲ ጥልያን ኣቐዲሙ ኣብ ጥልያን ዝተወልዱ ቆልዑ ዜግነት ሽዑ ንሽዑ እንተዘይኮነ ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ትምህርትታት እታ ሃገር ምምሃሮም ይወሃቡ ዝብል ምንባሩ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG