ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻንስለር ጀርመን ኣብ ናይጀርያ ይበጽሑ


ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ትማሊ ሰንበት ምስ ናይ ናይጀርያ ፕረዚደንት ቦላ ቲኑቡ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

እቶም መራሒ ጀርመን ኣብዚ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዑደቶም ሃገሮም ኣብቲ ብጸዓት ዝሃብተመ ዞባ ንግድን ቁጠባን መሻርኽቲ ንምብዛሕ ኣብ ተናድየሉ ዘላ'ዮም ምስቶም ፕረዚደንት ናይጀያ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም።

ስልጣን ካብ ኣብ 2021 ካብ ዝሕዙ ንደሓር ኣብ ውሽጢ’ዚ ዓመት ንካል ኣይ ኣብታ ሃገር ድማ ንሳልሳይ ጊዜ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደቶም ቻንስለር ኦላስ ሾልዝ ጀርመን ምስታ ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ካልኣይቲ ዝዓበየት መሻርኽቲ ንግዲ ሃገሮም ዝኾነት ናይጀርያ ዘሎ ርክብ ንግዲ ክመሓየሽ ዝደልዩ’ኳ እንተኾኑ ናይጀርያ ንውሽጣዊ ጠለባታ’ውን ክተዕቢ ይደፍኡ’ለዉ።

መጠን ንግዲ ጀርመን፡ ናይጀርያ ንዓመት ኣስታት 3-ቢልዮን ዶላር ይግመት። ርክብ ክልቲአተን ሃገራት ኣብ ዓለማውን ዞባውን ጉዳይ ከም ኢምግሬሽን ፀጥታን ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪቃ ዝርኣዩ ዘለዉ ዕልዋታት መንግስትን ዝበሉ ጉዳያት ምትሕብባር ምኳኑ እቶም መራሒ ጀርመን ኣብ ኣቡጃ ምስቶም መራሒ ናይጀርያ ኣብ ዝተራኸብሉ እውን ገሊፆም’ለዉ።

ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ምስ ፕረዚደንት ማሕበረሰብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኢካዋስ ዖማር ኣልዩ ቱረይ ተራኺቦም ምምይያጦም'ውን ተገሊፁ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG