ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻንስለር አንገላ መርከል ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ተዘራሪበን


ቻንስለር አንገላ መርከል
ቻንስለር አንገላ መርከል

ናይ ጀርመን ቻንስለር አንገላ መርከል ኣብቲ ትማሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዘኻየድኦ ዑደት ምስ ናይ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፓርቲታት ምርኻበን ተገሊጹ።

ዶ/ር መረራ ጉዲና ብዛዕባ’ዚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ቻንስለር አንገላ መርኸል ምስኦምን ካልኦት ኣመራርሓ ተቃወምቲ ፓርቲታትን ምዝርራበን ገሊጾም።

ዶ/ር መረራ ጉዲና
ዶ/ር መረራ ጉዲና

“ካብ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፓርቲታት ንዓይን ንፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮን፡ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ሰብአዊ መሰላት ክልተ ሰባት ካብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መሓውር ዜና ይመስለኒ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኔራ፡ ካብ ዞን 9 ዝበሃሉ ሓደ መንእሰይ ኔሩ እዚኣቶም ጥራይ’ዮም”ኢሎም ዶ/ር መረራ ጊዲና።

ንሶም ብተወሳኺዝተዘራረብሉ ነጥብታት’ውን አብታ ሃገር ዘለው ሕቶታት መሰረታዊ ነገራት ገሊጽናለን ኣለና ክብሉ አረዲኦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:00 0:00

XS
SM
MD
LG