ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጼንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ


ሻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጼንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:37 0:00

ሻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጼንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ

ሓሙስ 13 ሰነ፡ ብናይ ክሮኖ ሜተር ዝፈለመ ሻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጼንን ቅሳነት ወልደሚካኤልን ተዛዚሙ።

ኣብቲ ቀዳም 15 ሰነ ፡ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ 173.4 ኪ/ሜ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ናትናኤል ተስፋጼን ኣብ ሰዓት 41.9 ኪ/ሜ እንተሓንበብ ንውድድሩ ብ4 ሰዓትን 7 ደቒቕን 52 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ተዓዊቱ።

ካብ ፈለማ ብናህሪ ዝጀመረ ውድድር፡ ብፕሮፌሽናላት ተቐዳደምቲ እናተቐለሰ ብጉጅለታት ክመቓቐልልን ፍልልያት ክስፍሕን ክጸብብን ኣብ ዝተረእየሉ፡ናትናኤል ካብ ፈለማ ምስ ቐዳመይቲ ጉጅለ ምስኡ ክጓዓዝ ንዝውዓለ ኣባል ጋንታ ዋንቲ ሩዝ ተክኖርድ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ኣብ ናይ መወዳእታ ዙርያ ኣብ ዓቐበት ኢንሹራንስ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ገዲፍዎ ብምኻድ እዩ ተዓዊቱ።ኣባል ጋንታ ዋንቲ ሩዝ ተክኖርድ ኣኽሊሉ ኣርፋይነ ብ12 ካልኢት ድሒሩ 2ይ፡ ኣባል ጋንታ ትረንጋኑ መትከል እዮብ ብ50 ካልኢት ድሒሩ 3 ደረጃ ሒዞም።

ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ መዋእል ግርማይ 4ይ፡ መርሃዊ ቅዱስ 5ይ፡ ቢንያም ግርማይ 6ይ ሄኖክ ምሉእ ብርሃን ድማ 7ይ ደርጃ ሒዞም ውድድሮም ፈጺሞም።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ኣኽሊሉ ኣራፋይነ ንመዋእል ግርማይን ያፌት ሙሉጌታን ሻምፕዮን ብምዃን ተዓዊቶም።

81.6 ኪ/ሜ ዝሸፈነ ውድድር ዘካየዳ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ፈለማ ብትሑት ፍጥነት ተኣኪበን ክኸዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ብዝገበርኦ ቅጽበታዊ ቅድድም፡ ቅሳነት ወልደሩፋኤል ንኣድያም ዳዊትን ሮምና ጉዕሽን ብጸቢብ ቀዲማ፡ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ቻምፕዮን ብምዃን ድርብ ዓወት ሓፊሳ።

ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተዓዋቲት ቅሳነት ንካልኣይ ዓመት ኣከታቲላ ብምዕዋት ናይ ውልቃ ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊባ።

ናይ 112.2 ኪ/ሜ ዝሽፍን ውድድር ዘካየዱ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ፡ ኤፍሬም ገብረእግዚኣብሄር፡ 40.8ኪ/ሜ ክሽፍን ውድድር ዘካየዳ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኤልዳና በረኸት ሻምፕዮን ኮይኖም።

ካብ ምድቦም 1ይ ኮይኖም ዝተዓወቱ ተቐዳደምቲ ንነፍሲ ወከፎም፡ ዓመት ምሉእ ኣብ ዝባኖም ወድዮም ዝወዳደሩላ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ዘለዎ ጻዕዳ ማልያ፡ ወርቂ መዳልያ፡ ዋንጫን ገንዘብን ክሽለሙ ከለዉ፡ ን2ይ ብሩር ፡ ን3ይ ነሓስ መዳልያን ናይ ገንዘብ ሽልማትን ተዋሂቡ።

ኣብ ‘ዚ ንመበል 14 ግዚኡ ዝተኻየድ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2024፡ 18 ፕሮፌሽናላት ዝርከብዎም 295 ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG