ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንጪ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ሰራዊት ሓርነት ደቡብ ሱዳን ካብ ሓርነታዊ ናብ መንግስታዊ መስርሕ ዘይምእታው እዩ ይብሉ ሓደ ተንታኒ


ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ
ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ

ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011 ኣ/ፈ ካብ ሱዳን ካብ እትፍለ ጀሚሩ ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ካብ ሓርነታዊ ቓልሲ ናብ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ዘይምእታውን ሕቶታት ዴሞክራስን ድልየትታ ህዝብን ብዘይምምላሱን ዝተልዓለ ቅልውላው እዩ ክብሉ ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ ይገልፁ።ተንታኒ ጉዳያት ሕብረት ኣፍሪካን ዓለምለኸ ኣማኻሪን ከምኡ’ውን ተመራማሪ ኣብ ናይ ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ /NATO/ ናይ ርሕቐት ትምህርትን ዶ/ር መሓሪ ናይ ደቡብ ሱዳን ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር መቓልስቲ ብፆቶም ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ከቕርቡሎም ምስ ፈተኑ ንማእኸላይ ኮሚቴ፣ንኣባላት ፖሊት ቢሮ፤ ህንፃን ጉባኤን እቲ ፓርቲ ብምፍራስ ኣብ ልዕሊ ብፆቶም ስጉምቲ ምውሳዶም ቀንዲ ምኽንያት እዩ ኢሎም።

እቲ ግጭት ንምፍታሕ በይነ መንግስታት ኢጋድ ፃዕርታት ኣብዘካይደሉ እዋን ኣባል ኢጋድ ዝኾነት ኡጋንዳ ኣብቲ ግጭት ምእታዋ ነቲ ፃዕቲ ዓብዪ ዕንቅፋትን ሓደገኛን ስለዝኾነ ኢጋድ፣ሕብረት ኣፍሪካን ማሕበረሰብ ዓለምን ንኡጋዳ ደው ከብላ ኣለዋ ኢሎም ብምውሳኽ።እንኮ መፍትሒ እቲ ቅልውላው እውን ፖለቲካዊ ፍታሕ እዩ ኢሎም።ዝርዝሩ የድምፁ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:13 0:00
መራገፊ



please wait

No media source currently available

0:00 0:07:57 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG