ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ብምዝዛም፡ መግለጺ ኣውጺኡ

  • ምንያ ኣፈወርቂ
  • ቪኦኤ ዜና

አቦ መንበር ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዲሞክራቲክ ፓርቲ- ድ/ር በየነ ጴጥሮስ

ናይ ኢትዮጵያ ሶሻል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ቀዳማይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ብምዝዛም መግለጺ ኣውጺኡ አሎ።

እቲ ፓርቲ ኣብቲ ዘውጽኦ መግለጺ ቁጽሪ - 4፡ ኢህወዴግ ብወልቀ መላኽነትን ከፋፊልካ ግዛእ ሜላኡ ተጠቂሙ ንዘመናት ሓቢሮም ዝነበሩ ህዝብታት የጋጭው፡ ሰላማዊ መነባብሮኦም ከናውጽ ጸኒሑ’ሎ። ነዚ ኣብ ዝፈጸሙ ካድሬታቱ ተሪር ስጉምቲ ብምውሳድ ሓድነት ህዝብና ንኽክበር ንሓትት ዝብል እዩ።

ብጭቡእ ጎንጽታት ዝተራእየ እንተልዩ አብ ኣብ መንጎ መን መን እዩ ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ዶ/ር በየን ጴጥሮስ ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“ መጀመርያ ንሕና ሃገርለኸ ፓርቲ ኢና ኣብ ምድሪ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙ ኩሎም ኢና ምግላጽ ንደልይ። በብሓደ ጥቀስ እንተ ኢልካኒ ግን ኣብ ቀረባ ኣብ ምንጎ ዞባታት ወላይታን ሲዳማን ጎንጺ ተፈጢሩ፡ እቲ ህዝቢ ተፋጢጡ’ዩ ዘሎ ንዓመታት ዝፍለጥ ዝነበረ ዶብ ክልቲኡ ወገናት ሎሚ ብምንታይ ተአምር ከምዝኾነ ሲዳማ ብወገን ወላይታ መሬት ይግብኦ’ዩ ዝብል ንሸሞንተ ቀበሌታት ከነካልል ኢና ኢሉ መንግስቲ ዝጀመሮ ህዝብታት ተጋጭዮም ኣብ ዝለዓለ ምፍጣጥ’ዮም ዘለው” ኢሎም።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG