ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ ተአሲሮም


አቦ መንበር ሰማያዊ ፓርቲ አቶ የሸዋስ አሰፋ ሎሚ ንስራሕ ናብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝኸድሉ ከም ዝተአሰሩ ሰማያዊ ፓርቲ ገሊጹ።

አቶ የሸዋስ ናብ ባህርዳር ዝገሽሉ ምክንያት ንዝሓለፈ 10 ኣዋርሕ ዝተአሰሩ ናይቲ ከባቢ አባላት አመራርሓ እቲ ፓርቲ ንካልኣይ ጊዜ ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸረ ብዝነበሮም መሰረት ነቲ መስርሕ ፍርዲ ንምክትታል ምኳኑ ወሃቢ ቃል እቲ ፓርቲ አቶ አበበ አካሉ ገሊጾም።

አቶ የሸዋስ ናብቲ ከይዲ ፍርዲ ከይኣትው ሰለስተ ሲቪል ዝተኸድኑ ሰባት ከልኪሎሞም ኔሮም ደሓር ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ናብቲ መስርሕ ፍርዲ ምእታዎምን፡ ወዲኦም ምውጽኦምን ናብ አዲስ አበባ ክምለሱ ኸለው ኣብ መንገዲ ኸለው ግን በቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝኸልከልዎም ሰለስተ ሰባት ተታሒዞም ናብ መደበር ፖሊስ ከምዝተወስዱ ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG