ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻድ፥ ዝሑል ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዓለምለኸ ሻቅሎት ይፈጥር


ቻድ፥ ዝሑል ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዓለምለኸ ሻቅሎት ይፈጥር
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:07 0:00

ቻድ፥ ዝሑል ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዓለምለኸ ሻቅሎት ይፈጥር

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ መስርሕ ምስግጋር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ቻድ እኹል ተጽዕኖ ኣይገበረን ክብሉ ይነቕፉ።

ጀነራል መሓመድ እድሪስ ዴቢ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ስልጣን ምስ መጹ: ፕረዚደንት ዝነበሩ ወላዲኦም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ንዝተወለዐ ምንቅስቃስ ደባይ ተዋጋእቲ ንምድምሳስ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

ብቤተሰብ ዴቢ ዝምራሕ ቤተሰባዊ ጁንታ ንቻድ ኣስታት 33-ዓመታት ኣመሓዲሩ ኣሎ። ነታ ሃገር ካብ ወትሃደራዊ ኣገዛዝኣ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ስግግር ንክግበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ነይሩ።ተንተንቲ ግን ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ገና ኣድማዒ ስራሕ ኣይተዓየየን ይብሉ።

መራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ’ታ ሃገር ዮና ኣቮክሶማ ብወገኑ ዜጋታት ዓቕሎም ይጽንቀቕ ከምዘሎን ቁጠዐኦም ዝገልጽሉ ውክልና ከምዝምነዩን ይዛረብ።

"ነብስወከፍ ሰብ፣ ቁጠዐ ናብ ኩሉ ህዝቢ ክሳብ ዝባጻሕ እዩ ይጽበ ዘሎ። ኣዝየ ተጠራጣሪ ዝኾንኩ መሲሉ ኣይስመዐንን። ከምዝመስለኒ ነገራት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብሕልፊ ውሕስና ዘረጋግጽ ኣብ ዘይተረኸበሉ እዋን።"

ዝሓለፈ ጥቅምቲ፣ ተቃወምቲ ናብ ጎደናታት ዋና ከተማ ቻድ እንጃሜና ውሒዞም ነይሮም ይብል ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኡ ዝሃበ መንነቱ ከይግለጸሉ ዝሓተተ ሰብ: ንሱ ኣብ በረኻ ሳሃራ ኮሮቶሮ ናብ ዝተባሃለ ስፍራ ክግዕዝ ከምዝተገበረን ዳሓር ግና ብምሕረት ከምዝተፈትሐን’ውን ይሕብር።

"ኣብ ምዕራፍና ኣጋወጋሕታ ክሳብ ንበጽሕ ሙሉእ ለይቲ እዮም ኣግዒዞምና። ምሳይ ዝነበረ ሓደ ሰብ ሞይቱ እዩ። ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ። ብሰንኪ ጽምኢን ጥምየትን ሰባት ይሞቱና ነይሮም።"

እዚ ወሃቢ ርእይቶን ካልኦት 700 ሰባትን ፕረዚደንታዊ ምሕረት ምስ ረኸቡ ካብ ዝተኣሰርሉ ስፍራ ተፈቲሖም ኣለው።

ቻድ ሓንቲ ካብ ዓለምና ኣዝየን ድኻ ዝባሃላ ሃገራት'ያ ትምደብ። ብሕልፊ ምስ ፈረንሳ ተሓባቢራ ኣብ ዝወፈረትሉ ዓውዲ ግና፣ ኣንጻር ጉጅለታት ግብረ ሽበራ እስላማዊ ዳዕሽን ኣል ቃይዳ ጨንፈር ዞባ ሳሕልን፣ ኣገዳሲ ዓለምለኻዊ ተራ ነይሩዋ።

እዚ ማለት ይብሉ ተንተንቲ: ማሕበረሰብ ዓለም ቻድ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንክትሰጋገር ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ዴቢ ጸቕጢ ንምፍጣር ኣይሰርሓን። ሓደ ተንታኒ ብሕልፊ፣ ቻድ ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ኣብ ምስግጋር ማሕበረሰብ ዓለም ክገብሮ ዝኽእል ሓድሽ ነገር የለን ባሃላይ ኮይኑ ኣሎ።

"እቲ ሓቂ፣ ኣብ ፖለቲካ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ካብ ምእታው ዝሰገረ ክስራሕ ዝኽእል እንተሎ ክንዛረብ እንተኾይኑ፣ ብዘይምግናን፣ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ፈረንሳን ንዳግማይ መግዛእቲ ዝላዓል ክሲታት ኣብ ቦትኡ ከሎ፣ እቲ ሓቂ ኣመሪካን ፈረንሳን ከምኡ ክሳኣላ ኣይደልያን ከምኡ ክገብራ’ውን ምርጨአን ኣይኮነን።"

ኣብ ሰሜናዊ ቻድ ካብ ዝራኣይ ናዕቢ ብተወሳኺ፣ ኣብ ሞንጎ ሰበኽ ሳግምን ኣብ ሕርሻ ዝናበሩ ማሕበረሰብ'ታ ሃገር እውን፣ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኣብ ዞባ ሳሕል ዝኾን ግጭታት ይረኣ እዩ።

ኣብ ምዕራባዊ ቻድ ዝነብር ሓደ ኣብ መጓሰ ዝናበር መራሒ ሓደ ውልቀሰብ ንድምጺ ኣመሪካ ክዛረብ ከሎ፣ መንግስቲ ቻድ፣ ንመሬት ሓረስቶት ዝወሩ ሰባት ኣብ ምቁጽጻር ትሑት ስራሕ ከምዝተሰርሓ ይገልጽ።

"እቶም ሓረስቶት ካብዚ እንተዘይወጺኦም፣ ፍታሕ ኣይክህሉን እዩ። ክነውጽኦም ኢና ዝበለ ባዕሉ መንግስቲ እዩ እንተኾነ ዛጊት ዝተፈጸመ ነገር የለን። ብኣንጻሩ፣ እቶም ሓረስቶት ኣብ’ቲ መሬት መንበሪኦም ይሰርሑ ኣለው።"

ተንተንቲ ብወገኖም፣ ዕግርግር ካብ ሱዳን ናብ ምብራቓዊ ቻድ ክልሑኽ ይኽእል እዩ ይብሉ። ብርክት ዝበሉ ካልኦት ድማ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህላዌ ኣስጋኢ ሓይሊ ሚዛን፣ ህዝባዊ ቅሬታታት ንምምላስ እንተዘይተኻኢሉ፣ ንምልእቲ’ታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ከእትዋ ከምዝኽእል ይግምቱ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG