ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት 450-ሽሕ ተማሃሮ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ዩኒሴፍ ይገልጽ


ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት 450-ሽሕ ተማሃሮ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ዩኒሴፍ ይገልጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ኲናት 450-ሽሕ ተማሃሮ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ዩኒሴፍ ይገልጽ

ኣብ ሱዳን ብሰንኪ ዝተወልዐ ኲናት፡ ብውሕዱ 450-ሽሕ ተመሃሮ ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ወሲኹ ኣሸሓት ካብዚኦም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝሰገሩ`ውን ይሕብር። እዞም ካብ ትምህርቶም ቦኺሮም ዘለዉ ተመሃሮ፡ ንተወሳኺ ምዝመዛ ከምዝቃልዑ`ውን ትካላት ረድኤት የሰምዓ`ለዋ።

ካብ ሱዳን ብሸነኽ ጫድ ዝሃድሙ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሸሓት ስደተኛታት ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ኣለዉ። ቀንዲ ዘድልዮም ዘሎ ድማ ጽሩይ ዝስተ ማይ መግብን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት የፍልጥ ኣሎ።

እንተኾነ ካልኦት ድማ ትምህርቶም ክቕጽሉ ይደልዩ። ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረበ ወዲ 18-ዓመት ዓብደልናስር ማሓሞት ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ሕልሚ እንተነበሮ`ኳ ሕልሙ በቲ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ከምዝበርዓኖ ይገልጽ። ብዘይ ስድራቤቱ ካብ ዳርፉር ናብ ጫድ ከምዝሃደመ ይገልጽ።

“ኣቦይን ኣደይን ንሕክምና ናብ ካርቱም ምስ ከዱ እቲ ኲናት ተወሊዑ፡ ኣብኡ ተቐርቂሮም ተሪፎም። ስለዚ ምሳና ክሃድሙ ኣይክኣሉን። ኣነ ምስ ኣሕዋተይ ጥራይ`የ ሃዲመ።"

ማሓሞት ደሃይ ስድርኡ ከም ዘይብሉን ብህይወት ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ክፈልጥ ከምዘይክኣለ ይዛረብ።

ሕጂ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ጫድ ዝነብር ዘሎ ማሓሞት፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትዎ ፈተና ዝወስደሉ ዕድል ጨኒቕዎ`ሎ።

ምስኡ ካብ ዳርፉር ናብ ጫድ ዝሃደመ መምህር ማሊክ መሓመድ ብወገኑ፡ እቶም ኣብ ዳርፉር ዝምህሮም ዝነበረ ተመሃሮ ሕጂ ኣብቲ ካምፕ ዘዘው ኢሎም ክርእዮም ከሎ ብዙሕ ከም ዝሓዝን ይገልጽ፡

“ኩሎም ተመሃሮ ኣብዚ`ዮም ዘለዉ። ኣብዚ ንትምህርቲ ዝኸውን ሃዋህው የብልናን። ብፍላይ ንነዊሕ ንጸንሕ እንተኾይና ብዘይ ትምህርቲ ምጽናሕ ኣብቲ ሕብረተሰብ ከቢድ ተጽዕኖ ክፈጥር`ዩ።”

መምህር መሓመድ እቶም ተመሃሮ ኣብ ጫድ ኮይኖም ናይ ሱዳን ፈተና ዝወስድሉ ዕድል እንተሎ ንፍትሽ ኣለና ይብል፡ እንተኾነ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ መንግስቲ ኻርቱም ይሰርሕ ኣሎ ምባል ኣይክኣልን።

'ትምህርቲ ኣይጽበን` ዝብል መጸውዒ ዝሓዘ ሕቡራት ሃገራት ዝምውሎን ኣብ እዋን ቅልውላው ትምህርቲ ክህብ ዝሰርሕ ትካል ኣሎ።ዳይሬክተር`ቲ ትካል ያስሚን ሸሪፍ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ጫድ በጺሓ ኔራ።ንትምህርቲ ንምሕጋዝ 3-ሚልየን ዶላር ንምሃብ ቃል ኣትያ።

ጠለባት መግብን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ልዑል ኣብ ዝኾነሉ ህሞት ንትምህርቲ ምሕሳብ ስለምንታይ`ዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ንዝብል ሕቶ ከምዚ ክትብል ትምልስ።

“ ካብ ስቅያቶም ዝወጽሉ ኣገባብ ተጠቒምካ ከተሓይሎም ኣለካ። ብመግብን ማይን ከተሐይሎም ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ'ውን ኣድላዪ`ዩ እንተኾነ ንሱ ንበይኑ ካብ ዝጽበዮም ብድሆታት ከሕውዮም ኣይክእልን`ዩ። ኣብ ጾታ ዝተመርኮሰ ጎንጺ ጾታዊ በደል፡ ምልመላ ዕጡቓት፡ ዝበሉ ነገራት ንመጻኢ ተስፋ ዝህቡ ኣይኮኑን። ስለዚ ካብኡ ዘውጽኦም'ውን ክትሓስብ ኣለካ።"

ኲናት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ቆልዑት ዘሕደሮ ጽልዋ ኣብ ትምህርቲ ጥራሕ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ሕቡራት ሃገራት ከም ዘበሎ 80-ሚእታዊት መኣዛዊ መግቢ ዘፍሪ ዝነበረ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ፋብሪካ በቲ ኲናት ዓንዩ`ሎ።

ካብ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት(ዩኒሰፍ) ዝኾነት ኦውን ዋትኪንስ ከምዚ ይብል።

“እዚ ኹሉ ጸገማት ተደማሚሩ ነቶም ቆልዑት ኣብ ግዚኡ ክተበጽሓሎም የጸግመልካ። ንቆልዑት ኣብ ግዚኦም ክትበጽሓሎም እንተዘይክኢልካ ድማ ናይ ምሟት ሓደጋ ጥራይ ኢኻ ክትጽበ።”

እቲ ካብ ዳርፉር ናብ ጫድ ሃዲሙ ዘሎ ወዲ 18-ዓመት ተመሃራይ ዓብደልናስር ማሓሞት ከምዝብሎ፡ እቲ ኲናት ነዚ መደባቱ ካብ ኣተዓናቐፈ፡ ብንእሽትኡ ከሎ ዝሓልሞ ዝነበረ ትምህርቲ ክብርዕን`ዩ ማለት`ዩ።

በይኑ`ውን ኣይኮነን፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ሱዳናውያን ቆልዑት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት ይርከቡ ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG