ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጫድ  ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ከም እተቋርፆ ገሊፃ


ወታሃደራት ፈረንሳ ኣብ ጫድ- ፋይል
ወታሃደራት ፈረንሳ ኣብ ጫድ- ፋይል

ጫድ ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ከም ዘቋረፀቶ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጣ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ፈረንሳይ ዣ ንወይል ባኾ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ምብጽሑ ድሕሪ ስዓታት እዩ።

‘’መንግስቲ ቻድ ምስ ፈረንሳ ዝተፈረመ ናይ ምክልኻል ስምምዕ ከብቅዕ ምውሳና ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ርእይትኦም ክህብሉ ሓቢሩ ኣሎ’’ ክብሉ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ቻድ ዓብድራማን ኮውላማላህ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ሓቢሮም።

ጫድ ንወታሃደራዊ ህላወ ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ቀንዲ መራኸቢት እያ ነይራ።

ጫድ ፈረንሳ ወተሃደራታ ካብ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ብግዲ ምስ ወፁ ፈረንሳ ኣብ ሳሕል ዝነበራ ናይ መወዳእታ ትሕዝቱኣ እያ ነይራ።

ትማሊ ሓሙስ ኢትዮጵያ ዝኣተው ባኾ ሪኢቱኦም ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG