ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቻድ ግድላትን ዕድላትን ኣብ ቅድሚኣ ይፅበያ ኣሎ ይብል ሕ/መ


መንግስቲ ለበዳ ኮሌራ ንምቁፅፃር ይፅዕር ኣሎ

ቻድ ፅንኩር ሕፅረት ውሕስነት መግቢን ፀገም ጥዕናን ኣጓኒፍዋ ከምዘሎ ላዕለዋይ ባዓል-ስልጣን ሕ/መ ኣፍሊጦም።ይኹን‘ምበር ናይ‘ታ ሃገር ሰላምን ይማሓየሽ ዘሎ ህድኣትን ንቻድ ተስፋ ኮይኑዋ‘ሎ።

ቶማስ ጉርትነር - ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕ/መ ኣብ ቻድ‘ዮም ክዛረቡ ከለው፣ቻድ ብሓደ ወገን ግድላት ብካልእ ወገን ድማ ዕድላት ኣለውዋ ይብሉ።ከም ኣባሃህላ ሚስተር ጉንተር፣ኣስታት ሓደ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝብታት ከባቢ ዞባ ሳሕል-ቻድ እኹል ዝብላዕ መግቢ የብሎምን።ብጉድለት ኣመጋግባ ካብ ዝሳቀዩ ህፃናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዝዕድሚኦም ማለት‘ዩ ናይ ቻድ ዕስራ ሚእታዊ‘ዩ።

ኣብ‘ዘን ዝቅፅላ ሒደት ኣዋርሕ ዝወቅዕ ዘይስሩዕ መጠን ማይ ንኩነታት ሕርሻ ከምዝፀልዎን፣ዋጋ እኽሊ ስለዝኸብር ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ቻድ እኽሊ ንምሽማት ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ክበፅሕ ምኻኑ‘ውን ጠቂሶም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ሰማንያ ሽሕ ቻዳውያን ካብ ውግእ ሊብያ ሃዲሞም ከምዝተመለሱን ካልኦት ኣሻሓት ንምምላስ ይፅበዩ ኣለውን ተባሂሉ።

ንቪኦኤ ሪኢቶኦም ዝሃቡ ሚስተር ጉርትነር፣ናይ‘ዞም ቻዳውያን ካብ ሊብያ ምምላስ ዘስዕቦ ኣሉታ፣ፅጉማት ቻዳዊያን ይቅበልዎ ዝነበረ ገንዘብ ምቁራፁ‘ዩ ኢሎም።

“ምናልባሽ ፍርቂ ካብ‘ቶም ተመለስቲ፣ኣብ ወርሒ ኣስታት ሚእቲ ዶላር ናብ ኣዝዮም ፅጉማት ቻዳውያን ይልእኹ ዝነበሩ‘ዮም።ብሓደ ወገን ኣብ‘ዚ ከባቢ‘ዚ ንፀገም ውሕስነት መግቢ ንምቅላል ኣብ ንደኽመሉ እዋን፣ተወሳኺ ሰማንያ ሽሕ ድጋፍ ዝፅበዩ ሰባት ምህላዎም፣ናብ‘ቲ ኣሰራርሓ ተወሳኺ ፆር እዩ ዘስዕብ ዘሎ” ኢሎም።

ሚስተር ጉንትነር ወሲኾም፣መንግስቲ ምስ ትካላት ረድኤት ተሓጋጊዙ ነቲ ኣዝዩ ፅንኩር ኮይኑ ዘሎን ንኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ዝቀተለን ንልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ዘሕመመን ለበዳ ኮሌራ ንምቁፅፃር ክንዲ ዝካኣሎ ይሰርሕ‘ሎ ኢሎም።ኣብ‘ዘን ዝመፃ ቁሩብ ሰሙናት ክሳብ 15 ሽሕ ብኮሌራ ዝሓመሙ ሰባት ከምዝህልው‘ውን ይግምቱ።

እዞም ኩምራ ፀገማትን ግድላትን እናሃለው‘ውን ይብሉ ኣተሓሓባሪ ሕ/መ ሚስተር ጉንትነር፣ኣብ ቻድ ተስፋ ዝህቡ ፖለቲካዊ ለውጥታት ይትግበሩ ኣለው፣ውፅኢቱ ድማ መነባብሮ ህዝቢ ቻድ ክማሓየሽ‘ዩ ኢሎም።

ቻድ ኣብ‘ቲ ዞባ ተቀባሊት ቅልውላው ምኻናን፣እታ ሃገር ኩሉ-ሻዕ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳን፣ሊብያ፣ኒጀርን ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ብዝፍጠር ምዕባለታት ምፅላዋ ክትቅፅልን‘ያ ኢሎም።

ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ሰላም ስለዝዓሰለ ግና፣ኣብ‘ዛ ሃገር ኣዎንታዊ ለውጢ ንክትግበር ድልየት ይራኣይ‘ሎ።መኽሰብ ነዳዲ-ዘይቲ ኣሎ።ካብ‘ዚ መሸጣ‘ዚ ዝርከብ ገንዘብ ኣብ ምምሕያሽን ህንፀትን ፅርግያ፣ ቴሌኮምኒኬሽን፣ኣገልግሎት ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ይውዕል‘ሎ።

ኩነታት ናይ‘ታ ኣብ ዓለምና ኣዝያ ድኻ ዝኾነት ሃገር ንክማሓየሽ ነዊሕ ጊዜ ከምዝጠልብ ዝዛረቡ ባዓል-ስልጣን ሕ/መ ሚስተር ቶማስ ጉርትነር፣ መንግስቲ ቻድ ንደረጃ መነባብሮ ህዝቡ ተማሓይሹ ንክሪኢ ብህጎኡ‘ዩ ዝብል ማእከላይ ግምት ኣለኒ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG