ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግዝያዊ ፕረዚደንት ጫድ ኣብ ምርጫ ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ


ግዚያዊ ፕረዚደንት ጫድ ማሓማት እድሪስ ደቢ ኣብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከም ዝወዳደር ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ ዝስማዕ ዘሎ፡ ፖለቲከኛ ተቓወምቲ ያያ ዲሎ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒንጃሚና ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ `ዩ። ሕብረት ኤውሮጳ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ኣሰካፊ`ዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ።

መንግስቲ ጫድ እቲ ተቓዋማይ ዝተቐትለ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝተገብረ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ`ዩ ኢሉ`ሎ። ብኻልእ ወገን ንፕረዚደንት ደቢ ሓውብኡ ዝኾነ ጀነራል ሳልሕ ደቢ ኢትኖ፡ ንፓርቱ ገዲፉ ናብ ተቓወምቲ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ መንግስቲ ጫድ ኣፍሊጡ`ሎ ።

ጫድ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ትርከብ። ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ መንእሰይ ደቢ፡ ወዲ ነቲ ንጫድ ንነዊሕ እዋን ዝመርሐ እድሪስ ደቢ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG