ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣድማ ሰራሕተኛታት ሓደ ማእከል ጥዕና ኣገልግሎቱ ንሓደ ሰሙን ምቁራጹ ተገሊጹ


ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ዞባ ካምባታ ወረዳ አንጋጫ ንኣስታት 200-ሽሕ ህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህብ ማእከል ጥዕና ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ዘካየድዎ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ኣገልግሎት'ቲ ማእከል ደው ምባሉ ተሓቢሩ።

ኣስታት 80 ዝኾኑ ሰብ-ሞያ ጥዕናን ካልኦት ሰራሕተኛታት'ቲ ማእከል ንናይሽዱሽተ ኣዋርሕ ክፍሊት ተወሳኺ ሰዓት ዝሓትት ዘልዓልዎ ተቃውሞ ኣብ ከተማ አንጋጫ ዝርከብ ሆስፒታል ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ኣገልግሎቱ ተቋሪፁ።

እቶም ሰራሕተኛታት ዘይተኸፈሎም ሕሳብ ክኸፍሎም ሕቶኦም ናብ ምምሕዳር እቲ ከባቢ ምቅራቦም ገሊፆም።

ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ሆስፒታል ተሰማ ኣበራ እቲ ተቃውሞ ምህላዉ ብምርግጋፅ ብሰንኪ'ቲ ዝተፈጥረ ምትዕንቃፍ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ 15 ኣተሓባበርቲ እቲ ተቃውሞ ትእዛዝ ማእሰርቲ ምውፁኡ ንድምፂ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG