ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ 29 ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ሰባት ተኣሲሮም


ኣብ ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ፡ 29 ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ሰባት ከም ዝተኣስሩ ይግለጽ ኣሎ። እቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ጽልዋ ኔርዎም ዝብሃሉ ሰባት፡ ኣብ ኢንተርነት ባእሲ ዘለዓዕል ትሕዝቶታት ኣውጺእኹም ከምኡ`ውን ብናይ ሓሶት ሽም ኣካውንት ከፊትኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ምዃኖም ሰበ-ስልጣን`ቲ ክልል ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ናይ ፍርቂ ዓመት ገምጋማዊ ጸብጻብ ዘቕረበ ምኽትል ሓላፊ ሰላምን ጸጥታን ክልል ማእከላይ ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይሉ ማትዮስ፡ እቶም ጸለውቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ብድሕሪ መጋረጃ`ዚ ኣብቲ ክልል ዝተራእየ ዳሕራዋይ ጎንጺ ኔሮም`ዮም ክብል ተሰሚዑ`ሎ።

ቤተ-ሰብ እሱራትን ነበርቲ`ቲ ክልልን ግን እቶም ጸሓፍቲ ማሕበራዊ ሚድያታት ንሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ብምንቃፎምን ነቲ ዘሎ ብልሹው ኣሰራርሓ ብምንቃፎምን`ምበር፡ ብናይ ሓሶት ሽም ጎንጺ ዘለዓዕል መልእኽቲ ስለዘሕለፉ ኣይኮኑን ይብሉ።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኡ ዝሃበ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር ጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽንን እያየሁ ዓለማየሁ ብወገኑ እቲ ስጉምቲ፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ዝድርት`ዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኣሰራርሓ ንናይ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስትን ዓለምለኸ ሕግታትን ተገዛኢ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG