ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዞባ ማእከላይ ኣፍሪቃ ብሕጽረት ነዳዲ ይሳቐ


ኣብ ምጉዕዓዝ ዝተታሕዘ ነዳዲ ዝሓዘ ጀሪካናት
ኣብ ምጉዕዓዝ ዝተታሕዘ ነዳዲ ዝሓዘ ጀሪካናት

ንዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ዞባ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ብሕጽረት ነዳዲ ኣብ እትሳቐየሉ ዘላ እዋን፡ ብሰንኩ ድማ መነባብሮ ኣዝዩ ከቢሩ፡ ንማሕበራዊ ቅልውላው ማዕጾ ከፊቱ ኣሎ። ጠንቂ ናይቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ነዳዲ ዞባዊ ዘይምርግጋእን ምቍራጽ ገለ ካብ ኣገልግሎታትን ምዃኑ ይግለጽ።

ዘወርቲ መካይንን ሞተር ብሽክለታን ሓያሎ ሰዓታት፡ ኣብ ገሊኡ ድማ ንመዓልታት ነዳዲ ንምምላእ ክጽበዩ ንቡር ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ። ድሕሪ’ቲ ነዊሕ ትጽቢት፡ ኣብ መወዳእታ መስርዖም ምስ በጽሐ ነዳዲ ከይመልኡ ክምለሱን ገንኢ ነዳዲ ክውዳእን ዝውቱር’ዩ።

ካሜሮን ኣብ ምብዃርን ምስንኻልን እዚ ቀረብ ነዳዲ መጠናዊ ኢድ ኣለዋ።

ኣብታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ርፓብሊካ ማእከላይ ኣፍሪቃ ቀረብ ነዳዲ ብመንገዲ ወደብ ዱዋላ ናይ ካሜሮን ኣቢሉ’ዩ ይኣትው። ሕጂ ግን ብሰንኪ ዘሎ ተደጋጋሚ ግጭት፡ እቲ መስመር ደጋጊሙ ክሰናኸልን ዋሕዚ መጓዓዝያ ክቋረጽን ይርአ ኣሎ።

ብቅልውላው ነዳዲ ተጸልያ ዘላ እንኮላይ ጫድ’ያ። ኣብ ጫድ ብሰንኪ ኣጓኒፉ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ርእሰ-ከተማ እንጃማይናን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ንሰላማዊ ሰልፊ ድፍኢት ኰይኑ ኣሎ። ወታሃደራት ነቲ ሰልፊ ብዘንብዕ ጋዝ ገይሮም ክብትኑ ተገዲዶም’ዮም።

ሕጽረት ነዳዲ ጫድ ግን ካልእ ምኽንያት’ዩ ዝወሃቦ። ወታሃደራውያን መራሕቲ ጫድ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣማኢት ገንኢ ነዳዲ ዝጸዓና መካይን ንሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰግራ ከም ዝሓዙ ይሕብሩ። ኣብ ሱዳን ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት ድማ ካብ ጫድ ናብታ ሃገር ብኮንትሮባንድ ዝኣቱ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ዕዳጋ ምምዝባዕ ፈጢሩ ምህላዉ እቶም ሰብ-መዚ ይጠቕሱ።

ኣሚና አህሚር ቶርና ሓላፊት ኣሃዱ ምቍጽጻር ጫድ’ያ። እቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብታ ሃገር ናብ ሱዳን ነዳዲ ዘሰጋግሩ ዘለዉ ነጋዶ ብህጹጽ ደው ከብሉዎ ትጽውዕ። ኣብ ጀሪካናት ዝተሓዝ ነዳዲ’ውን ንሓደጋ ባርዕ ቀሊል ስለ ዝዀነ ህዝቢ ነቲ ተርእዮ ከቋርጾ ትሓትት። ከም ኣገላልጻ እታ በዓልቲ-መዚ ኣብ ክንዲ በቲ ስሩዕ መስመር፡ ብጀሪካናት ኣብ ጎደናታት ዝሽየጥ ነዳዲ ኣብ ዕዳጋ ምምዝባዕ ፈጢሩ ኣሎ።

ድሕሪ ኲናት ቀረብ ነዳዲ ዝተዓጽዎም ነጋዶ ሱዳን’ውን ኣስታት 1400 ኪሎ-ሜተር ናብ ጫድ ተጓዒዞም’ዮም ነዳዲ የምጽኡ።

እዚ ሕጽረት ነዳዲ ተደማሚሩ፡ ኣብ ቍጠባ እቲ ማሕበረሰብ ዓቢ ተጽዕኖ ፈጢሩ ምህላዉ ይሕበር። ዋጋታት ከም ሽጉርቲ፡ ሩዝ፡ መሸላን ብልቱግን ብሰለስተ ዕጽፊ ምውሳኹ ሰብ-መዚ ቤት ምኽሪ ንግዲ ጫፍ ይገልጹ።

ነቲ ዝርአ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ፡ ካሜሮን፡ ጫድን ርፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ቅልጡፍ ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ ይርከባ። ውጽኢቱ ግን ቀስ ኢላ ዝርአ ምዃኑ ይሕበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG