ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውግእ ማእከላይ ኣፍሪቃን ሳዕቤኑን


C.A.R
C.A.R
ህውከት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝቀፀለሉ እዋን፣ሃዋሁ ስራሕ ብሕልፊ ከምዶብ ኣልቦ-ሓካይም ዝኣምሰሉ ትካላት ሓደገኛ እናኾነ ይመፅእ‘ሎ።

ድሕሪ ምውፋር ዓቀብቲ ሰላም ኣፍሪቃን ፈረንሳይን፣ኣብ ባንጒይ ሎሚ‘ውን ህውከት ኣይዓረፈን ዘሎ ይብል ዶብ ኣልቦ ሓካይም።

ህውከት ማእከላይ ሪፐብሊክ ዝደገሰ ክርስትያን ዕጡቃት ፀረ-ባላቃ ኣንፃር‘ቶም ሙስሊማትን ዕልዋ መንግስቲ ፈፂሞም ንሙስሊም ፕረዚደንት ናብ ስልጣን ዘብቅዑን ደባይ ተዋጋእቲ ሰለካ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቶም‘ዩ።

ኣብ‘ዛ ዝሓለፈት ወርሒ ጥራሕ ሓደ ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉ ህፃናት ወሲክካ ሞይቶም‘ለው።

እዚ ጉድኣት‘ዚ ንዶብ ኣልቦ-ሓካይም‘ውን ለኪሙዎ‘ሎ።ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሓላፊ‘ቲ ትካል ስይልቭያን ግሮው፣ዕጡቃት መፈራርሒ ስለዘብፁሕልናን ስለዝተኮሱልናን ክልተ ጊዜ ንማእከላት ክንክን ገዲፍና ክንወፅእ ተገዲድና ኢና ይብል።

”ብመሰረቱ ንሓካይ የፈራርሕዎም’ዮም ቀንዮም።ንሰራሕተኛታትና‘ውን ኣፈራሪሖምዎም‘ዮም።እቶም ተጓንፎ ንምውፃእ ከቢዱና‘ዩ ቀንዩ።ከምመጠን ትካላት ጥዕና ምሕፅንታና፣ኣብ‘ዛ ከተማ ንዝሰርሑ ኣባላትናን ንሕሙማትናን ኣኽብሮት ሃቡዎም ዝብል‘ዩ።ተዋጋእቲ‘ኮ ኣይኮኑን።ኣካል‘ቲ ግጭት‘ውን ኣይኮኑን።ተሓከምቲ‘ዮም” ይብል ንሱ።

ዶብ ኣልቦ-ሓካይም ኣብ ባንጒይ ንኣሻሓት ሕሙማት ይሕክም‘ሎ። ከምኡውን ኣብ‘ቲ ግጭት ንዝቆሰሉ ኣብ መዓልቲ ንዕስራ ሰባት ሕክምና ከምዝልግስ እቲ ትካል ይሕብር።

ትማሊ ሰሉስ ኣሻሓት ሰባት ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ባንጒይ ስለዝሃደሙ፣እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኑ‘ሎ።እቶም ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ዓለም-ለኸ ሓገዝ ንክረኽቡን ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ንክወርድን ፀዊዖም‘ለው።
XS
SM
MD
LG