ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጽባሕ ቀዳም ምሸታዊ ሙዚቃዊ ምርኢት ኣብ ማይ-ዓይኒ ትግራይ ተዳልዩ ኣሎ


ኣባላት'ታ ጉጅለ ሙዚቃ
ኣባላት'ታ ጉጅለ ሙዚቃ

‘ሕጂ’ውን ቅኒት መዝሙር ሰላም ንክልቲኡ ህዝቢታት’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ጽባሕ ቀዳም ተቐማጦ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒን ከባቢኡን ዲቕ ዝበለ ሙዚቃዊ ምርኢት ይጽበዮ ኣሎ።

ነቲ ሙዚቃዊ ምራኢት ንምድማቕ ኮኸባት ኪነ ጥበባዊያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ’ቲ ስፍራ ተበጊሶም ኣለው። ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሽረ ምስ በጽሑ ዘዘራረብናዮም ኢትዮጵያዊ መርከብ ባርያጋብር (ቦኒትዋ)ን ኤፍረም ኣማረን ‘ናብ’ቲ ምርኢት እኹል ምድላው ገይሮም ከምዝነቐሉ’ ገሊጾምልና ኣለው።

ኤርትራዊ ናሆም ዮሃንስን ኣድያም ስብሓቱን’ውን ኣብ’ቲ መድረኽ ከምዝሳተፉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ኣድያም ምስ ኣዳለውቲ (ምኽንያቱ’ኳ ኣይፈለጥናዮን) ስለዘይተሰማመዐት ክሳብ’ዚ ዜና’ዚ ዘዳለናሉ ሰዓት ናብ ሽረ ከምዘይኣተወት ንምፍላጥ ኪኢልና ኣለና።

ኣብ ጉጅለ/ባንድ ግዕዝ ተሓቒፎም ዘለው ጆን ራስታ፣ ናሆም ዮሃንስ፣ ኤፍረም ኣማረ፣ ዓለምሰላም ወላይን መርከብ ቦኒትዋን’ዮም። ነቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ዘዳለውዎ ብምትሕብባር 'ሰለብሪቲ ኢቨንትስን' ወናኒ ሃብቲ ኣቶ ዳዊት ገ/ሄርን ምኳኑ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:18 0:00

XS
SM
MD
LG