ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ንምትግባር ዕላምኡ ዝሰርሕ ኮሚቴታት ምጥያሱ ኣፍሊጡ


ኣኼባ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ
ኣኼባ ሰለብሪቲ ኢቨንትስ

ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ብዝብል ስም ዝንቀሳቐስ ኣካል ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ናብ ሰላም ንምቕያር ከምዝተለዓለ ኣፍሊጡ።

‘ሰለብሪቲ ኤቨንት’ ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ናይ ኢትዮጵያን ናይ ኤርትራን ህዝብታት ናይ ሰላም ተበግሶ ኮሚቴታት ምጥያሾም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዘዳለዎ መድረኽ ገሊፁ’ሎ።

ብወገን ኤርትራ ናይቲ ኮሚቴ ኣባል ኣቶ ይስሃቅ ዮሴፍ እቲ ኮሚቴ ካብ ተፅዕኖ ነፃ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው።

ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ፕሮፌሰር መድሃኔ ታደሰ ኣብዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ዓለም ስሩዓት ናይ ድሕነትን ናይ ሰላምን ውዳበታት ንፀገማትና ንምፍታሕ ኣይክኣሉን ይብሉ።

“ስሩዓት ከባቢያዊ ናይ ድሕነት ውዳበታት ሎሚ ነዚ ስራሕ ብቑዓት ኣይኮኑን።እዞም ውድባት እዚኦም ንፀገማትና ክፈትሑልና እዮም ኢልና ኣይንፅበን።ሓድሽ ጊዚያዊ ናይ ብዝሒ ርክባት፣ቀይሕ ባሕሪ ሓዊሱ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ይቀላቐሉ እዮም ዘለው።ዓለምለኸ ትካላት ሓይሎም ይስእኑ ኣለው።እዚ ዝኸውን ዘሎ ብኣፍቃሪነት ህዝባውነት ይኹን ድልየት ካብ ምስኣን ወይ ሓድሽቲ ይመፁ ብዘለው ሓይልታት ይኹን፤ዓለምለኸ ሃውህው ይልወጥ እዩ ዘሎ።እዚ ለውጢ ድማ ንዓና ብዝጠዕም ኣይኮነን።ነዚ እውን ካልኦት መንገድታትን ብልሓትን ክንደልይ ይግብኣና።”

ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ህዝብታት ኮሚቴታት ተበግሶ ሰላም ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ንዝፍፅሙዎም ተግባራትን ፕሮግራማትን ኣቕሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG